Fana: At a Speed of Life!

32 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ኢዶም ንመንግስቲ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናይ ትፍኣት ልኡኽቶ ተቐቢሎም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 32 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኢዶም ንመንግስቲ ሂቦም።

ኦሮሞ ነፃ ነውፅእ ብዝብል ሽፋን ምቕታል ላዕለዎት ሰብ መዚ፣ ምትዕንቓፍ ህንፀ ግድብ ህዳሰን ካልኦት መሰረተ ልምዓታት ምጥቃዕን ዝበሉ ልኡኽቶታት ተቐቢሎም ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኢዶም ንመንግስቲ ካብ ሞንጎ ዝሃቡ ኣባላት ሸኔ ብናይ ቃልሲ ስሞም ዲናሳ እናተብሃሉ ዝፅዑ ኣይተ ገልማ ቡሌ፥ እቲ ዝተውሃቦም ናይ ጥፍኣት ልኡኽቶ ንምዕዋት ወታደራዊ ስልጠና ከምዝወሰዱ ተዛሪቦም።

መገዲ ጥፍኣት ተኸቲልካ ንህዝቢ እቲ ክልል ናፃ ምውፃእ ከምዘይከኣል ብምግንዛብ፣ ፀገም እንተሃሊዩ እውን ብልዝብን ድርድርን ብምፍታሕ ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ኢዶም ከምዝሃቡ ምግላፆም ገዜኢ ፀብፂቡ።

ንኦነግ ሸኔ ሽፍታ እኳ ምባል ከምዝኸብዶም ዝገለፁ ኣይተ ገልማ፥ “ሽፍታ ተዋጊኡ ቀቲሉ ይመውት፤ ድሌት ኦነግ ሸኔ ግን ስርቂን ሓው ምስ ሓዉ ክጋጮ ምግባር ኢዩ” ኢሎም።

እዚ ተግባር ምስ ህወሓት ተሓባቢቢሩ ዝሰርሑዎ ዘሎ ተግባር እምበር ንስልጣን እናተቓለሰ ከምዘይኮነን ንስርቂ እናተጓየየ ከምዝኾነን እውን ተዛሪቦም።

ኣይተ ኣበበ ጂሎ ብናይ ቃልሱ ሽሙ ኣብዲ ሰባ ዝተብሃለ ድማ፥ ኦሮሞ ተበዲሉ ብዝብል ተታሊሉ ወታደራዊ ስልጠና ወሲዱ ንልኡኽቶ ጥፍኣት ናብ ኦነግ ሸኔ ከምዝተፀምበረ ተዛሪቡ።

ዕላማ ኦነግ ሸኔ ህይወት ሰብ ምጥፋእ፣ ምዝራፍን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ጉድኣት ምብፃሕን ስለዝኾነ በቲ ተግባር ክቕፅል ስለዘይደለየ ኢዱ ንመንግስቲ ከምዝሃበ ገሊፁ።

ኣይተ ኣጋ ኣረቦ ብናይ ቃልሲ ስሙ ሰባ ብግድኡ፥ ዕላማን ድሌትን ኦነግ ሸኔ ካብ ባህላዊ ስርዓተ ኦሮሞ ዝወፅአን ንህዝቢ እቲ ክልል ዘይምጥንን ብምዃኑ ናብ ሰላማዊ ህይወት ከምዝተመለሰ ገሊፁ።

ህይወት ደቂ ሰባት እናጥፋእኻን መሰረተ ልምዓት እናዕነኻን ንህዝቢ ኦሮሞ ክቃለስ ኢየ ምባል ንባዕልኻ ምትላል ስለዝኾነ ድሕሪ ሕዚ ካልኣይ ከምዘይሰሓሓትን ከምዘይቕበሎን ተዛሪቡ።

ኣባ ገዳታትን ቃሉታትን ኦነግ ሸኔ ሰላማዊ ኣማራፂ ቃልሲ ንኽኽተል ሕቶ ኣቕሪቦም ከምዝነበረ እውን ገሊፁ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣይተ ወንድይፍራው፥ ብሽም ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ በረኻ ሰፊሩ ህይወት ዘጥፍእ፣ ንብረት ዝዘርፍን መሰረተ ልምዓት ዘዕኑን ሓይሊ፤ መንግስቲ ከምዘይዕገሶ ኣገንዚቦም።

ብምፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ ብኦነግ ሸኔ ተመልሚሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥፍኣት እናፈፀሙ ዝነበሩ ወገናት ዕላሙኡ ምስ ተረደኦም ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ምምላስ ከምዝጀመሩ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.