Fana: At a Speed of Life!

ንመተኣኻኸቢ እቶት ፕሮጀከት መኣዲ ሃገር ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል መልእኽቲ ቁፅሪ 333 ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመተኣኻኸቢ እቶት ፕሮጀከት መኣዲ ሃገር ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል መልእኽቲ ቁፅሪ 333 ዕላዊ ኮይኑ።

ንመኣዲ ሃገር ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ንምዕባለ ኢትዮጵያ ኣሰሮም ዘንብርሉ ንክኸውን ዝተሰናድአ መርሃ ግብሪ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ፕሮጀክትታት ሃገራዊ ልምዓት ጎርጎራ፣ ወንጪን ኮይሻን ንምድጋፍ ዝደሊዩ ሓፂር መልእኽቲ ቁፅሪ 333 ብምጥቃም ዝደለዩዎ መጠን ገንዘብ ምልኣኽ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ መኣዲ ሃገር ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ገንዘብ፣ ፈልጠትን ጉልበትን ብምትእኽኻብ ተፈጥሮ ከይሃወኽና ንዜጋታት ይኹን ንበፃሕቲ እትጥዕም ኢትዮጵያ ክንፈጥር ኢና ምባሎም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.