Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ከይዲ ቀዳማይ ምርመራ መዝገብ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ብዝምልከት ዝሃቦ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ ተጠርጠርቲ መሰኻኽር ቀዳማይ ምርመራ ንምድማፅ ዝተትሓዘ ቆፀሮ ኣይተ ጃዋር መሓመድ አሒሙኒ ኢዩ ብምባሎም ኣይተኻየደን።

ስለዝኾነ ቤት ፍርዲ  እቲ ከይዲ ምስማዕ መሰኻኽር ንምክያድ ንሳልሳይ ግዘ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

በዚ ኣጋጣሚ ንህዝብን እቲ ጉዳይ ንዝከታተሉን ግልፂ ምግባር እንደሊዮ፥ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ብከቢድ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምምዃኖም መጠን፥ ጥዕነኦም ንምሕላው ብዘሎ ኣሰራርሓ ኣድላዪ ክትትልን ኣገልግሎትን ጥዕና ዝረኽቡን እናረኸቡ ዘለዉን እንትኾኑ ጥዕንኦም ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኢዩ ዘሎ።

ነዚ መርኣዪ ካብ ዝተገበረሎም ሕክምና ብተወሳኺ ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ምስክር ምስማዕ ንከይጅመር ዝተፈላለዩ ምኽኒያታት እናልዓሉ ንነዊሕ ሰዓት ክከራኸሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብቲ ክርክር ቤት ፍርዲ ብይን ብምሃብ ምስክር መስምዒ ሰዓት እንትበፅሕ ውፅእ እትው ምባሎም ዝድለ ከይዲ ምስማዕ መሰኻኽር ንምትእጉጓልን ብተሓባበርቶም ኣቢሎም ሁውከትን ዓመፅን ንምልዓልን ኢዩ።

ተሓባበርቲ ተጠርጣሪ ብዝተፈላለየ መገዲ መሰኻኽር ብምፍርራሕ እቲ ከይዲ ፍትሒ ንክተኣጓጎል ልዑል ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ፍፁም ኣግባብነት ብዘይብሎም መበገሲታትን ብዝተፈላለዩ ሰበባትን መሰኻኽር ኣብ ቀዳማይ ምርመራ ዝስምዕሉ ከይዲ ንክናዋሕን ንክተዓናቐፍን ንምግባር ፃዕሪ ይገብሩ ብምህላዎም ትካልና ከምልሙድ ንመሰኻኽር ግቡእ ሓለዋን ከለላን ሕጊ ዝገብር ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምግላፅ ንደሊ።

ልዕሊ ኹሉ ብዝተፈላለዩ ኣናእሽቱ ጉዳያት ብዘይኣግባብ ካብ ዝቐርቡ ይግበአኒ ጀሚሩ፣ ኣይተዳለናን ተለዋጢ ቆፀሮ ይወሃበና፣ እቲ ዳኛ ፍሽኽ ኢሉ ኢዩን ይቀየረልናን ብምባል ብሰበብ ኣስባብ ከይዲ ፍርዲ ንምትዕንቓፍ ብተጠርጠርቲ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘሎ ግልፂ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሓቂ ህዝቢ ይኹን ዝምልከቶም ኣካላት ንክግንዘቡን ብህፁፅ ፍትሒ ንክረጋገፅን ምስ እንገብሮ ፃዕሪ ጎድኒ ንክስለፉ ፃውዒትና እናቕረብና ዝኾነ ይኹን ካብ ሕጊ ንላዕሊ ምዃን ዘይኽእል ምዃኑ ብኣፅንኦት ንምግላፅ ንፈቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.