Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ክልል ሃረር ስሩዕ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ክልል ሃረር 5ይ ዙር 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ እተ ባይ ወይዘሮ ሚስራ ዓብደላ፥ “እንርከበሉ እዋን ሓዱሽ ኣመራርሓ ለውጢ ብዙሓት ዓበይቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ዝርከበሉን ሓድነት ህዝቢታት ኢትጵጵያ ብምጥንኻ ሃገር ንምስጋር ኣብ ዝግበር ተግባር ንምትዕንቓፍ ዝደልዩ ሓይሊታት ልዑል ፃዕሪ እናገበሩ ዝርከቡሉን እዋን ኢዩ” ኢለን።

ብሓይሊታት ጥፍኣት ዝተቐንፀለ ውሩይ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝምልከት፥ ዝተሰመዐን ልዑል ሓዘን ብባዕለንን ብሽም ባይቶ ክልል ሃረርን ገሊፀን።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦርዲን በድሪ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ኣቕሪቦም።

እቲ ባይቶ ኣብ ክልተ መዓልቲ ፃንሒቱ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ኣንፈት ከቐምጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.