Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕረታ ክፍትሑ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፤ 8 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስኮሮና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 07 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ብምኽንያት ቫይረስኮሮና 38 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1 ሺሕን 568 ተሃነፅቲ ሕጊ ድሕንነቶም ንምሕላው ብይቕረታ ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ ከምዝበልዎ፥ ብምኽንያት ቫይረስኮሮና ዕድል ይቕረታ ንክወሃቦም 1 ሺሕን 704 ተሃነፅቲ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ክሪኦም ቀሪቦም ኢዮም።

ካብዚኣቶም 38 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1 ሺሕን 568 ተሃነፅቲ ዕድል ይቕረታ ክረኽቡ ተወሲኑ ኣሎ ኢሎም።

ካብቶም ዝቐረቡ ይፅንሑ ዝተብሃሉ ድማ 4 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 136 ተሃነፅቲ እንትኾኑ፥ እዚኣቶም ምስ ቅትለት፣ ኣገዲድካ ምድፋርን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ዝተኣሳሰረ ገበን ዘለዎም ከምዝኾኑ ኣይተ ተኪኡ ኣረዲኦም።

ኣብ መወዳእታ ተሃነፅቲ ነቲ ዘለናሉ እዋን መኸተ ምዃኑ ተረዲኦም ንዝበደልዎ ማሕበረሰብ ክኽሕሱ እንተለው ንዘላቒ ሰላም ትግራይ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ገበን ስግኣት ገበንን ንምድራቕ ብፅሒቶም ክፃወቱ ይግባእ ብምባል ንተሃነፅትን ቤተሰብን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተሃናፃይ ብይቕረታ ክወፁ ከምዝገበረ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.