Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ክልል ዓፋር ልዕሊ ብር 7 ቢሊዮን ኮይኑ ዝቐረቡ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም እቲ ክልል ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣብ ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ 10ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ልዕሊ ብር 7 ቢሊዮን ኮይኑ ዝቐረቡ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም እቲ ክልልን ዝተፈላለዩ ሽመታትን ኣፅዲቑ።

ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ክልል ዓፋር ኣይተ መሓመድ ሓሰን፥ እቲ በጀት ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ምን ተተሓሓዝቲ ዝኾኑ እዋና ሃገራዊ ኩነታትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝተዳለወ ተዛሪቦም።

ምስ በጀት ዓመተ 2012 እንትነፃፀር ድማ ብር 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ሓለፋ ኣለዎ ኢሎም።

ፍልፍል እቲ በጀት፥ ካብ ግምጃ ቤት መንግስቲ ፌዴራል፣ ካብ ኣታዊ እቲ ክልልን ካብ ናይ ወፃኢ ርዳእታን ዝሽፈን ምዃኑ ኣብሪሆም።

ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዝቐረበ እቲ በጀት፥ በቲ ባይቶ ብዕምቆት ምስ ተዘተየሉ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

ኣባላት እቲ ባይቶ፥ እቲ በጀት ካብ ብኽነት ብዝተናገፈ መልክዑ ፀገም ሕብረተሰብ ዝፈትሑ ስራሕቲ ክሰረሐሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ባይቶ ክልል ዓፋር ኣብ ጉባኤኡ፥ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ዝቐረቡሉ ሽመት ኣባላት ካቢኔ እውን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ፡-

ኣይተ ኢለማ ኣቡበከር- ምክትል ርእሰ ምምሕርን ሃፍቲ ማይን እቲ ክልል

ኣይተ መሓመድ ጠይብ – ሓላፊ ቢሮ ጥዕና

ኣይተ ኣሕመድ መድ መሓመድ ቦዳ – ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ

ኣይተ ጠሃ ኣሕመድ – ሓላፊ ቢሮ ልምዓት መገዲን ትራንስፖርትን

ኣይተ ኢብራሂም ሁመድ – ሓላፊ ቢሮ ሰላምና ፀፅታን

ኣይተ መሓመድ ኡዳ – ሓላፊ ቢሮ ምምሕር ፣ሬት ገጠርን ሓለዋ ከባቢን

ኣይተ መሓመድ ዓሊ – ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ኪል በቲ-ረሱ ከምኡ እውን

ኣይተ ኣሕመድ ኢብራሂም ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኮይኖም ከምዝተሸሙ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.