Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ን14 ሺሕን 540 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 1 ሺሕን 86 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ 16 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሮም 479 በፂሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ ናብ 26 ሺሕን 204 ክብ ክብል ከምዝኸኣለ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ትማሊ 394 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ክሳብ ትማሊ ብድምር 11 ሺሕን 428 ሰባት ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.