Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 552 ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝገበሩ ወገናት 109 ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2012ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ውሽጢ 552 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ተገይሩሎም 109 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓቢሩ።
 
እቲ ቢሮ ኣብ ድህረ ገፁ ከምዝገለፆ፣ ካብቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ወገናት ዓሰርተ ሓደ ካብ ማሕበረሰብ ማለት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዘይነበሮም፣ ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና፣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ንግልጋሎት ናብ ትካል ጥዕና ካብ ዝኸዱ፣ ዓሰርተ ሸሞንተ ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኮይኖም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ፣ ስሳን ኣርባዕተን ወገናት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን እዮም፡፡
 
ፍልፍል ተቓላዓይነትን ዝተረኸብሉ ቦታን እቶም ወገናት ድማ ዓሰርተ ሓደ ካብ መቐለ ካብ ማሕበረሰብ ኮይኖም ባዕሎም ምልክት ኣለኒ ኢሎም ካብ ዝሓበሩ “ናሙና” ተወሲዱ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ዓሰርተ ሓደ ወገናት ኣብ መቐለ፣ ክልተ ኣብ ዓዲግራት፣ ሓደ ኣብ ፍረወይኒ፣ ሓደ ኣብ ኣክሱም ብድማር ዓሰርተ ሓሙሽተ ንግልጋሎት ናብ ትካል ጥዕና ኣብ ዝመፁ ወገናት ብዝተገበረ ምርመራ ዝተረኸቡ እንትኾኑ ብዘይካ እዙይ ሓደ ወገን ኣብ ኣክሱም በዓል ሞያ ጥዕና እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎ።ከምኡ እውን ትሽዓተ ወገናት ኣብ መቐለ፣ ሸውዓተ ወገናት ኣብ ዓዲጉደም፣ ክልተ ወገናት ኣብ ፀለምቲ ብድምር ዓሰርተ ሸሞንተ ወገናት ድማ ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኮይኖም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ስሳን ክልተን ወገናት ኣብ መቐለ፣ ሓደ ወገን ኣብ ኣክሱም፣ ሓደ ወገን ኣብ ሽረ ብድማር ስሳን ኣርባዕተን ኣብ ማእኸላት መወሸቢ ዝነበሩን ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን ከምዝኾነ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።
 
ብኻሊእ ወገን ዓሰርተ ሰለስተ ወገናት ካብ መቐለ ማእኸል መሐከሚ ኮሮና ቫይረስ ሎሚ ዕለት ድሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነዩ እንትኾነ ብድማር ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ን28,639 ወገናት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተገይሩ 1,361 ወገናት ኮሮና ቫይረስ ተረኺቡዎም። ዛጊድ ብድማር 710 ወገናት ድሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉን ሞት 10 ወገናት ከምዘጋጠመን ድህረ ገፅ እቲ ቢሮ የመላኽት።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.