Fana: At a Speed of Life!

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ከብፅሖ ኢዩ ተባሂሉ ካብ ዝተገመተ ጉድኣት ኣድሒኑና ኢዩ- ምክትል ቀ/ሚ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፤ 7 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ከብፅሖ ኢዩ ተባሂሉ ካብ ዝተገመተ ዝኸፍአ ጉድኣት ኣድሒኑና ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን  ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ ንዝተጣየሸ ኮሚቴ ሚኒስትራት ግብረ መልሲ ዑደት ኣቕሪቡ።

ኣብቲ መድረኽ ኣባላት እቲ ቦርድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ደቡብን ዑደት ከምዘካየዱ ተገሊፁ።

ኣብተን ክልላት ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ኣወዳድባታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምጥያሽ ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ እቶም ኣባላት ገሊፆም።

ዓቕሚ ምርመራ ብምዕባይ ዝተሰርሐ ስራሕ እውን ብእወንታ ገሊፀምዎ።

ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ምንም ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዘይተፈፀመ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ከባቢ ዶባት እኹል ስርዓት ቁፅፅር ዘይምህላዉ ኣብ ማሕበረሰብ ምዝንጋዕ ምፍጣሩ ድማ ከም ድኽመት ሓቢሮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን፥ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ከብፅሖ ኢዩ ተባሂሉ ካብ ዝተገመተ ዝኸፍአ ጉድኣት ኣድሒኑና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተይበፅሐ ናብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ንምሽግጋር፥ ኩሉ ሰብ ግድኡ ክፃወት ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.