Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 5 ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 20121(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ኩፅሮም ካብ ሓሙሽተ ሚሊየን ምሕላፉ ተገሊፁ።

ብብርኪ ዓለም በቫይረስ ኮሮና ብልዑል ኩነታት እናተሃሰየት ትርከብ ኣሜሪካ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ 162 ሺሕን 455 ዝኾኑ ዜጋታታ ስኢና ኢያ።

ከም ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆንሰስ ሆፕኪንስ እንተኾይኑ፥ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 54 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም።

ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ ብብርኪ ዓለም ልዑል ቁፅሪ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎም ሰባት ብምምዝጋብ ቀዳማይቲ ኮይና ትቕፅል ኣላ።

ሓበሬታታት ከምዝሕብሩዎ በቢመዓልቱ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ከምኡ እውን ህይወቶም ዝስእኑ ሰባት ቁፅሪ ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 20 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ብራዚል፣ ህንዲ፣ ሩሲያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ድማ ካብ ኣሜሪካ ቀፂለን ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተተሓዙለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.