Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ካብ መሸጣ መፅሓፍ ምድማር ዝተረኸበ ብር 110 ሚሊየን ንመህነፂ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ መሸጣ መፅሓፍ ምድማር ዝተረኸበ ብር 110 ሚሊየን ንመህነፂ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣረኪቦም።

እቶም ቀደማይ ሚኒትር እቲ ገንዘብ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ንዝህነፁ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘረከቡ እንትኾኑ፥ እቲ ገንዘብ ድማ ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸው ተቐቢለንኦ።

ሙሉእ እቶት መሸጣ መፅሓፍ ምድማር ንመህነፂ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝውዕል ኣብ መጀመርታ ገፅ እቲ መፅሓፍ ከምዝተገለፀ ይፍለጥ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብብርኪ ሃገር ክሳብ ሕዚ 20 ኣቢያተ ትምህርቲ ዝሃነፀ እንትኸውን፥ ሸውዓተ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሞም፤ እቶም 13 ድማ ህንፀቶም ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመን ኣብ ዝቕፅል ዘበነ ትምህርቲ ናብ ስራሕ ከኣትዉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎን ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ገንዘብ እንተረክቡ ከምዝበሉዎ፥ “ካብ መሸጣ ዝተኣከበ ገንዘብ መሊስና ናብ ህዝቢ ልምዓት እንትነውዕል ዝለዓለ ኩርዓት ይስመዐና” ኢሎም።

ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነ ዝተዘረበ ኣብ ተግባር ምውዓል ከም ውልቀ ሰብ ይኹን ከም ሃገር ልምዲ እናኾነ ምምፅኡ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ካብ መፅሓፍ ምድማር ዝርከብ ገንዘብ ንውልቀሰብ፣ ንፓርቲ ወይ እውን ንመንግስቲ ኣይውዕልን ኢሎም።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብግድኡ፥ እቲ ዝተረኸበ ገንዘብ ካልኦት ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ኩለን ክልላት ንምህናፅ ከምዝውዕል ኣገንዚቡ።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.