Fana: At a Speed of Life!

ምምላእ ማይ ሩባ ኣዋሽ ስዒቡ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ 32 ሺሕ ዜጋታት ተመዛቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምላእ ማይ ሩባ ኣዋሽ ስዒቡ ኣብ ዝተፋለያ ወረዳታት ክልል ዓፋር ዝርከቡ 32 ሺሕ ዜጋታት ከምዝተመዛበሉ ቤትፅሕፈት ምትሕብባር ውሕስና ምግቢን ምክልኻል ሓደጋን እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብ ክልል ዓፋር ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ክረምቲ ስዒቡ ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ኣብ 6 ወረዳታት ዝነብሩ 32 ሺሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ፥ ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቕታን ግብረ መልሲን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣይዳሂስ ያሲን ገሊፆም።
እቶም ዳይሬክተር ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ወሰና ወሰን ሩባ ኣዋሽ ዝርከባ ሸውዓተ ወረዳታት ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኢየን።

እዚ ፀገም ንምፍታሕ በዓል መዚ ተፋሰስ ኣዋሽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ብምውዳድ ስራሕቲ ምክልኻል ሓደጋ ውሕጅ እናሳለጠ ዝፀንሐ ይኹን እምበር ክረምቲ እዚ ዓመት ስለዝበርተዐ ኣብ ልዕሊ 6 ወረዳታት ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ነቲ ሓደጋ ውሕጅ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ዝበፅሐ ጉድኣት ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ 32 ሺሕ ከምዝተመዛበሉን ግምታ ዋገኦም እናተፀረየ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዝራእቲን እንስሳትን ጉድኣት ኣጋጢሙ ኢዩ።

ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብ ወረዳ ኣሳኢታ ክልተ ጣቢያታት ጎርጉም ንዝርከቡ ልዕሊ 1 ሺሕን 100 ሰባት መንግስቲ ፌዴራል ብሄሊኮፕተር ምግቢ እናቕረበ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ካብ ሞንጎ እቶም ተመዛበልቲ 17 ሺሕን 450 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ወረዳ ኣሳኢታ ጣቢያ 5 ዝነብሩ ኢዮም።

ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብቲ ወረዳ ጣቢያታት ኮሎዱራን ገለዓሊን ሩባ ኣዋሽ ጥሒሱ ናብተን ጣቢያታት ብምእታዉ 1 ሺሕን 126 ሰባት ብማይ ተኸቢቦም ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እቲ ክልል ንግዚኡ ምግቢን ካልኦት ህፁፅ ሓገዛትን ብምግባር ስራሕቲ ምድሓን ህይወት እናተሰርሐ ይኹን እምበር፥ ብመንፅር ስፍሓትን ኣተሓሳሳቢነትን እቲ ፀገም መንግስቲ ፌዴራል ህፁፅ ሓገዝ ከምዝተሓተተ ኣይተ ኣይዳሂስ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ምስ ሚኒስቴር ሰላምን ዝምልከቶም ኣካላት ፌዴራልን ብምትሕብባር ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብሄሊኮፕተር ህፁፅ ቀረብ ምግቢ ንምግባር ምድላው ከምዝተወገነ ኣብሪሆም።

ብማይ ዝተኸበቡ ወገናት ብሄሊኮፕተርን ሞተር ጃልባን ብምውፃእ ናብ ካልኦት ከባቢታት ንምውሳድ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ እውን እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ታሕተዋይን ማእኸላይን ኣዋሽ 63 ሺሕ ሰባት ንሓጋ ውሕጅ ዝተቓልዑ እንትኾኑ፥ 44 ሺሕ ሰባት ድማ ስግኣት ምምዝባል ኣንፀላሊዩዎም ኣሎ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.