Fana: At a Speed of Life!

ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊቤ III እናመልአ ስለዝመፅአ ካብቲ ግድብ በቢብርኩ ማይ ከምዝስደድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ማይ ጊቤ III እናመልአ ስለዝመፅአ ካብቲ ግድብ በቢብርኩ ማይ ንምስዳድ ዘኽእል ስራሕቲ ፈተነ ተኻይዱ።

እዚ ድማ ካፍቲ ግድብ ዝስደድ ማይ ኣብ ታሕተዎት ተፋሰስቲ ከባቢታት ሓደጋ ውሕጅ ከየስዕብ ንምቁፅፃርን እቲ ማይ ብዝተመጣጠነ መልክዑ ብምስዳድ ኣብ መወዳእታ እቲ ግድብ ሙሉእ ክኸውን ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ፥ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ጣቢያ ኣይተ ሃብታሙ ሰሙ ገሊፆም።

ካብቲ ግድብ በቢብርኩ ማይ ክስደድ ምግባር ኣብ ተፋሰስ ከባቢታት ስራሕቲ ምቁፅፃር ሓደጋ ውሕጅ ንምስላጥ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም።

ግድብ፥ ኩሉ ዝመፅአ ውሕጅ ከምዝመፅኦ ከይስደድ፣ ዝተመጠነ ፍሰት ማይ ክህሉ ንምግባርን በቢእዋኑ እናተቖፃፀርካ ብምስዳድ ክረምቲ እንትብርትዕ ክፍጠር ዝኽእል ውሕጅ ንምቁፅፃር ከምዝሕግዝን ኣገንዚቦም።

እቲ ግድብ ክሕዞ ካብ ውሽጢ ዝኽእል 15 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ መጠን ማይ 12 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ዝሓዘ እንትኸውን፥ ብማእኸላይ ኣብ ሰከንድ 800 ሜትር ኪዩብ ማይ ንምስዳድ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

እቲ ማይ ካብ ብሕዚኡ እንተዘይተሰዲዱ ክሳብ 4 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ክመልእ ከምዝኽል እቶም መካየዲ ስራሕ ኣብሪሆም።

እቲ ግድብ እንተይተሰደደ ፀኒሑ ማይ ምስ መልአ ዝስደድ እንተኾይኑ፥ ካብ ላዕለዋይ ተፋሰስ ጊቤ ዝመፅእ ውሕጅ ኩሉ ንምስዳድ ስለዝግደድ ኣብ ታሕቶት ተፋሰስ ከባቢታት ሓደጋ ምዕልቕላቕ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ማይ ናይቲ ግድብ እናወሰኸ ስለዝኸይድ ከይዲ ምስዳድ ማይ ቀስ ብቐስ መጢንካ ብምስዳድ ኣብ ታሕተዎት ተፋሰስ እቲ ግድብ ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓደጋ ከየስዕብ ከምዝሕግዝ ኣፍሊጦም።

ግድብ ጊቤ III ሓይሊ ምፍልፋል ካብ ዝጅምር ንደሓር ማይ እንትስደድ ንፈለማ እንትኸውን፥ ከይዲ ምስዳድ ማይ ክሳብ መዓዝ ከምዝፀንሕ ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.