Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ መሰረታዊ ለውጢ ምምፃእ ቀንዲ ውራይ ዝቕፅል ዓመት ኢዩ – ኢ/ር ታከለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀንዲ ውራይ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ መሰረታዊ ለውጢ ምምፃእ ከምዝኸውን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ ፐብሊክ ሰርቢስ ንዝርከቡ ላዕለዎት ሰብሞያታት ትካላት ንሰለስተ መዓልቲ ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ።

እቲ ስልጠና ምስ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝተተሓሓዘ እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ድማ ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ ከምዝቕፅል ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣፍሊጡ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘለዉ ማሕለኻታት ምፍታሕ ንፅባሕ ዘይበሃለሉ ቀንዲ ውራይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ንነበርቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምምሕያሽ እናርአየ ይኹን እመበር ካብዚ ንላዕሊ ክስተኻኸል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ንምትግባር ድማ ኣብ ውዳበታት ፐብሊክ ሰርቪስ ዘለዉ ሰብ ሞያታትን ኣመራርሓታትን ርኡይ ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም።

እቶም ምክትል ከንቲባ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሕድሕድ በዓል ሞያ ንባዕሉ ኣብ ተገልጋሊ ሕብረተሰብ ቦታ ገይሩ ብምርኣይ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንመሃብ ክዳሎ ይግባእ ኢሎም።

ከም ሓበሬታ እቲ ከተማ ምምሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 130 ሺሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.