Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዘበርከተቶ ሓገዝ መተንፈሲ ቬንትሌተራት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዘበርከተቶ ሓገዝ መተንፈሲ ቬንትሌተራት ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚነስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ፤ መንግስቲ ኣሜሪካ ልዑል ፅሬት ዘለዎም 250 መተንፈሲ ቬንትሌተራትን ካልኦት ወሰንቲ መሳርሒታት ሕክምናን ሓገዝ ስለዝገበረ ምሰጋነኦም ኣቕሪቦም።

“እቶም መሳርሒታት ክበፅሑና ዝኸኣሉ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝመፅአሉን ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ኣብ ንርከበሉን እዋን ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ሕማም ንምልኻል ዝውሰድ ተመጣጠንቲ ጉምቲ ከምዘሎ ኮይኑ ምዝንጋዕን ሸለልትነትን ምውጋድ ከምዘድሊ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣሜሪካ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝውዕሉ 250 ሜካኒካል ቪንቲሌተራት ንኢትዮጵያ ሓገዝ መግባራ ይፍለጥ።

እቲ ሓገዝ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይነር ንሚኒሰትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣረኪቦምወን።

ዋጋ ሓደ ሜካኒካል ቬንቲለተር 8 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ ድማ ብር 70 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዝግመት ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.