Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስር ኣቢይ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤሩት ምስ ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያ ንክራኸቡ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ከተማ ቤሩት ምስ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ንክራኸቡ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቤሩት ብዝበፅሐ ልዑል ሓደጋ ምፍንጃር ዘጋጠመ መጉዳእቲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ኣብ ሊባኖስ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ከምዝርከቡ ሓበሬታታት መላኽቱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤሩት ምስ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ጀነራል ቆንስላ ርክብ ንኽብሩ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ቤት ፅሕፈት ጀነራል ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ሊባኖስ ብግድኡ፥ ኣብ ከባቢ እቲ ሓደጋ ምፍንጃር ዝተፈፀመሉ ከባቢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ባዕሎም ንኽከላኸሉን ክርሕቑን፣ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ንኽከታተሉ፣ ከምኡ እውን ሓበሬታ ንኽለዋወጡ ኣተሓሳሲቡ።

ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኦም ክፀንሑ ወይ ድማ ካብኡ ንኽርሕቑ ኢዩ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣገንዚቡ ዘሎ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ቤሩት ብዘጋጠመ ልዑል ሓደጋ ምፍንጃር ክሳብ ሕዚ 100 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተረጋጊፁ ኣሎ።

ኣብ ጫፍ ወደባዊ ክፋል እታ ከተማ ዘጋጠመ እቲ ልዑል ሓደጋ ነታጒ፥ ምልእቲ ከተማ ዘናወፀ ከምዝነበረን ተሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ኣብ ከባቢ እቲ ወደብ ተኸዚኑ ዝነበረ 2 ሺሕን 500 ቶን ዝምዘን ኬሚካል ብምፍንጃሩ እንትኸውን፥ ንሽዱሽተ ዓማውቲ ድሕንነቱ እንተይተሓለወ ተኸዚኑ ከምዝነበረ ፕዚዳንት እታ ሃገር ሚካኤል ኣውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.