Fana: At a Speed of Life!

ንህዝቢ ትግራይ ዘየሳትፍ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይህሉን – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንህዝቢ ትግራይ ዘየሳትፍ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከምዘይህሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፋና ሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ “ኣነ ብወገነይ ይኹን ብፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ መንግስቲ ፌዴራል ንህዝቢ ትግራይ ዘየሳተፈ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክህሉ ኢዩ ኢልና ኣይነኣምንን” ኢሎም።

“ህዝቢ ትግራይ ካብ ምምስራት ኢትዮጵያ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ዘይትካእ ግደ እናተፃወተ ፀኒሑ ኢዩ ሕዚ እውን ይፃወት ኣሎ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰለስተ ፀገማት ከምዘጋጠሙ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም እቲ ሓደ ምስ ለውጢ ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም፣ ካልኣይ ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ምስ ዘሎ ርክብ ዝተትሓሓዘ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣፈላላይ ክሰፍሕ ዝደልዩ ኣካላት ዝፈጥሩዎ ፀገም ኢዩ ኢሎም።

ምስ ናፅነት ሚዲያን ሓሳብ ብናፅነት ምስ ምግላፅ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ፥ ኣብ ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ ይኹን ካልኦት ክልላት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዋ መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድም ክብል ብብርኪ ሃገር ኣይነበራን፤ እዚ ድማ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓፈሻ ልዑል ፀገም ከምዘለወንን መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ እውን ካብዚ ፀገም ዝተናገፋ ከምዘይኮና ኣገንዚቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብበዓል መዚ ብሮድካስት ዝተወሰደ ስጉምቲ ምስ ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተተሓሒዙ ንዝተፈጠረ ዕግርግርን ጎንፂን ኣብ ምብእኣስ ግደ ስለዝነበረን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ በዓል መዚ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሃገር ናይ ምድሓን እዋናዊ ስጉምቲ ጥራሕ ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ስጉምቲ ህዝቢ ትግራይ ኣፍ ከይህልዎ ተባሂሉ ዝተወሰደ ተገይሩ ክረአ ኣይግባእን እውን ኢሎም።

ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ዴሞክራሲን ብዝምልከት ድማ መራሕቲ ህወሓት ኣብ መንግስቲ ፌዴራል ክረጋገፅ ዝደልዩዎ ልዕልነት ሕጊን ዴሞክራሲን ኣብ ክልል ትግራይ እውን ክፈቕዱ ከምዝግበእ ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ኣድላይነት መረፃ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፥ “ኣብ ኣድላይነትን ግቡእን መረፃ ኣፋላላይ ዘሎ ኣይመስለኒን፤ ንመረፃ ቆፀሮ ሒዝና እናተዳለና እናሃለና ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ፀገም ኮቪድ-19 ኣጋጢሙና” ኢሎም።

“ከምዝፍለጥ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መረፃ ክሳብ ዝግበር ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ንኽቕፅሉ ወሲኑ ኢዩ፤ እቲ ውሳነ ንብልፅግና ይኹን ንህወሓ ዝሰርሕ ኢዩ” ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ንህወሓት ንበይኑ ጥራሕ ኣይትኽልን ዝብል ውሳነ ከምዘየለ ገሊፆም።

መረፃ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝካየድ ጉዳይ ኮይኑ እናሃለወ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብሚሊየናት ዝቑፀር በጀት ብምስላዕ ክልላዊ መረፃ ከካይድ ኢየ ምባሉ ከምዘገረመሎም ተዛሪነቦም።

ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ ይትረፍ ንኣሜሪካ እውን ኣፀጊሙ ኢዩ፤ ትግራይ ንበይና ፀገም ኣይፈጥረለይን ኢላ ብኸመይ ክትኣምን ክኢላ ዝብል ሕቶ ክለዓል ዝግበኦ ኢዩ እውን ኢሎም።

ሱቕ ኢሉ መረፃ ካብ ምክያድ ብዕምቆት ብምግምጋም ዝሐሸ መገዲ ምምራፅ፤ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህወሓት ኣግባብ ከምዝመስሎም ኣገንዚቦም።

”ካብዚ ሓሊፉ ግን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ጉዳይ ክልል ኢዱ ኣየእቱን ቅድሚ ሕዚ እውን ገይሩዎ ኣይፈልጥን፤ ንቐፃሊ እውን ኣይገብሮን” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እዚ ማለት ግን ሓላፍነት መንግስቲ ፌዴራል ኣሕሊፉ ክህብ ኢዩ ማለት ከምዘይኮነን ሕገ-መንግስቲ ብዘቐመጦ ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል መሰረት ብምግባር ከምዝስራሕን ገሊፆም።

ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ርክብ ብዝምለከት ድማ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅቡቕ ዝበሃል ዲፕሎማሲያዊን ፀፅታን ዝምልከት ርክብ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብመንፅር ኢኮኖሚ እውን ብስልኪ፣ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣየርን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር ምስራሕ ከምዝተጀመሩ ብምሕባር፥ እዚ ድማ ቀስ እናበለ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ክበፅሕ ዝኽእል ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ዝህሉ ርክብ ኢትዮጵያ ተረባሒት እንተኾይና ትግራይ እውን ሓቢራ ከምትርባሕ ብምግላፅ፥ ፈላሊኻ ግን ትግራይ ንበይና ክትጥቀም ኢያ ወይ ክትጉዳእ ኢያ ዝብል ግምገማ ከምዘይሰርሕ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.