Fana: At a Speed of Life!

ኮቪድ -19 ናይ ምምርማር ዓቕምና ኣጠናኺርና ኢና – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምምርማር ኮቪድ 19 ከምዝተጠናኸረ ቀዳማይ ሚኒሰትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ “ካብ ሞንጎ መመርመሪ ኮቪድ-19 ዘገልግሉ ሓደ ሚሊየን ኪታት ቀዳማይ ዙር ተቐቢና ኣለና” ኢሎም።

ካብ ውሽጢ እዚ ድማ እቲ 50 ሚኢታዊ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራይ ስርሑ ብዝጅምር ሃገር በቆል ኩባኒያ ኣቢሉ ዝተለገሰ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም መመርመሪ መሳርሒታት፥ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብልዑል ብርኪ ምዝማቱ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ መመርመሪ ኪታት ንምፍራይ ኣብ ዝግበር ምድላው ክሳብ ዝዛዘም፤ መዓልታዊ ዓቕሚ ምምርማር ክብ ንምባል ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.