Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢታት ፈጠራና ተካእቲ ፍርያታት ብምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ዝሕግዙ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ውፅኢታት ምርምርን ፈጠራን ተካእቲ ፍርያታት ብምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ኣብ ክልል ትግራይ ሰርተፊኬት ኣእምሮኣዊ ንብረት ዝተውሃቦም ሰብ ዋና ፈጠራ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሸሞንተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ን55 ውፅኢታት ፈጠራን ምርምርን መረጋገፂ ሰርተፊኬት ወናንነት ኣእምሮኣዊ ንብረትን ኣፍልጦን ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

መረጋገፂ ሰርተፊኬት ወናንነት ኣእምሮኣዊ ንብረት ፈጠራ ዝተውሃቦ ሰብ ዋና ፈጠራን ምርምርን÷ ውፅኢት ፈጠራኦም ተካእቲ ፍርያታት ብምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቶም ውፅኢታት ፈጠራን ምርምርን ናብ ተግባር ብምልዋጥ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ብምሕሳብ እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ኢኖቬሽን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዳሬክተር ምዝገባ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኣይተ ገብረፃድቅ ተስፋይ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ናብቲ ቢሮ ካብ ዝቐረቡ 59 ውፅኢታት ምርምርን  ፈጠራን እቶም 55 ናይ በዓል ዋናነት መረጋገፂ ኣፍልጦ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

እቶም ውፅኢታት ምርምርን ፈጠራን ፀገም ዝፈትሑ ምዃኖም ፍተሻ ዝተገበረሎም ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኮንስትራክሽን፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ጥዕናን ካልኦት ዓውዲታትን ዘድሀቡ ውፅታት ፈጠራን ምርምርን ከምዝኾኑ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.