Fana: At a Speed of Life!

44 ፍሪያታት ጨው መኣዲ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ  44 ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ጨው መኣዲ ህዝቢ ንከይጥቀመሎም ኣተሓሳሲቡ።

እቲ በዓል መዚ ብዘካየዶ ዳህሳስ ስራሕቲ ዕዳጋ፥ 44 ዓይነታት መፍለዪ ስም ፍሪያት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ብኣዮዲን ዝማዕበሉ ናይ ምግቢ ጨው ብዝብል ተዓሺጎም ድሕንነቶምን ፅርየቶምን እንተይተረጋገፀ ብተወሳኺ ናይዛ ሃገር ኣገዳዲ ብሄራዊ ደረጃን መግለፂ ፅሑፍን እንተየማልኡን እንተይለጠፉን እንትቐርቡ ዝነበሩ ፍሪያታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ንሳቶም ድማ፦

  1. ኣበሩሰ ኣዮዳይዝድ ጨው
  2. ዛክ ጨው
  3. ሉሉ ጨው
  4. ሙሪዳ ኣዮዳይዝድ ጨው
  5. እቱ ጨው
  6. እቴቴ ጨው
  7. እፍታ ጨው
  8. ኤልሳ ጨው
  9. ሴፍ ጨው
  10. NS ኣዮዳይዝድ ሳልት
  11. ማሚ ጨው
  12. ሃሊህ ጨው
  13. እማ ጨው
  14. ኣዮዲን ጨው
  15. ቃና ጨው
  16. ሃርመኒ ጨው
  17. ውዛት ኣዮዳይዝድ ሳልት
  18. ሃበሻ ኣዮዲን ጨው
  19. ሪል ጨው
  20. ሸጋ ጨው
  21. ጆይ ኣዮዳይዝድ ሳልት
  22. ኮከብ ጨው
  23. ስኬት ጨው
  24. ፎር ኤም ኣዮዳይዝድ ሳልት
  25. ኣዲስ ጨው
  26. ኤመሬት ጨው
  27. ኣስቤዛ ጨው
  28. ቶም ጨው
  29. በረከት ጨው
  30. ሜናታ ጨዉ
  31. ቤስት ኣዮዳይዝድ ጨዉ
  32. ኣፊአ ጨው
  33. ዋን ብኣዮዲን ዝማዕበለ ጨዉ
  34. ኣቢሲኒያ ጨዉ
  35. ማሩ ጨዉ
  36. ባና ኤዳይዝድ ጨው
  37. ማራኪ ጨዉ
  38. መክሊት ጨዉ
  39. ዳግም ጨዉ
  40. ኣዲስ ጨዉ
  41. ኣፍያ ጨዉ
  42. ኦማር ጨው
  43. ገዳ ጨው
  44. NITSUH IODIZED SALT ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ንከይጥቀመሎም እቲ በዓል መዚ ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.