ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መቐመጢ ንምርካብ ክትሰርሕ ኣለዋ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መቐመጢ ንምርካብ ክትሰርሕ ኣለዋ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ገሊፆም፡፡
ሓዱሽ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ስልጣኖም ካብ ነበር ኣቦ ወንበር እቲ ኮሚሽን ሙሳ ፋኪ ማሃማት ተረኪቦም፡፡
ኣብቲ ርኽክብ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ÷ ኣፍሪካ ዝሓቖፈ ዓለም ለኻዊ ከይዲ ኣወሃህባ ዉሳነ ጋህዲ ዝኸዉን ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ግቡእ ቦታ እንትትረክብ እዩ ኢሎም፡፡
ብምዃኑ ኣብ ዝዉሰኑ ዉሳነታት ኣብ ኣፍ ደገ ኣፍሪካ ኮይኑ ዝርእይ ክህሉ የብሉን ክብሉ ኣገብዚቦም፡፡
ብፍላይ ኣብ ሰላም፣ ፀጥታን ኣጀንዳ ልምዓትን ዉሳነ ዉሃብቲ ኣካላት ዉሽጢ ኣፍሪካ ቀጥታ ተሳታፊት ክትኾን ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡
እዙይ ኽኸዉን ድማ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መቐመጢ ንኽትረኽብ ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ተጠናኺሮም ክቕፅሉል ከምዘለዎም ኣረዲኦም፡፡