ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ስልጣኖም ብዕሊ ተረኪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ የሱፍ ሓዊሱ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ስልጣኖም ብዕሊ ተረኪቦም።
ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ርኽክብ፥ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ጆአዎ ሎሬንሶ፣ ተሰናባቲን ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮሚሽን እቲ ሕብረትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
9ን 10ን ለካቲት 2017 ዓ.ም ዝተሳለጠ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ጅቡታዊ ማህሙድ ዓሊ የሱፍን ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣልጄሪያዊት ኣምባሳደር ሰልማ ማሊካ ሃዳዲ ምክትል ኣዶ መንበር እቲ ኮሚሽን ንክኾኑ ምምራፁ ይዝከር።