Fana: At a Speed of Life!

ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዝጠመተ ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 43 ጉባኤ መራሕቲ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ተሳሊጡ፡፡

እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ÷ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ጠመተ ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ዋና ፅሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፣ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ ኣህጉራዊን መራሕቲ ትካላት እቲ ዞባን ተሳቲፎም፡፡

ድሕሪ እቲ ጉባኤ÷ እቲ ዞባዊ ትካል ሓበራዊ መግለፂ ቕዋም ከዉፅእ እዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኢጋድ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዘተ ንምፍታሕ፣ ወጥሪ ንምንካይን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን መፃኢ ግዚኡ ሰላም ንክኸዉንን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣገንዚቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.