1 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ሎሚ መልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር)ን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸውን ንተመለስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብዚ እዋን÷ 4ይ ዙር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ብዕሊ ከመዝተጀመረ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሰሙን 9 በረራታት ብምግባር ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ዜጋታት ናይ ምምላስ ተግባር÷ ኣካል ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ መንግስቲ ከምዝኾነ እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብሪሆም።