ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣባል ቦርድ ፈንድ ድሕንነት መገዲ ብምዃን ተሾይሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣባል ቦርድ ፈንድ ድሕንነት መገዲ (ዩኤንኣርኤስኤፍ) ብምዃን ተሾይሞም፡፡
ኢትዮጵያ ሃገራዊ ስትራቴጂ ድሕንነት መገዲ ብምሕንጣፅን ትምህርቲ ድሕንነት መገዲ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ትምህርቲ ክካተት ብምግባር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ድሕንነት መገዲ ንምዕሳል ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ነቶም ሚኒስትር ኣብ ዝተፅሓፈ ደብዳበ ሽመት ተገሊፁ፡፡
ኣብ ስራሕቲ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ዝተሃነፁ ምቹዋት መገዲታት ብስክሌትን እግረኛታትን ከምኡ እውን ዝተመሓየሹ ስራሕቲ ምትእስሳር መገዲ ከም ሃገር ምውዳድ መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ዘደንፍዑ ከምዝኾኑ ኣብቲ ደብዳበ ተፀሪሑ፡፡
ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ድሕንነት መገዲ ዘለዋ ቆራፅነትን እትገብሮ ፃዕሪን ብምግንዛብን ኣፍልጦ ብመሃብን ንኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብ ትሕቲ በዓል ሓደሮ ቦርድ ዩኤንኣርኤስኤፍ ኣባል ቦርድ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ኣፍሊጡ፡፡