ማንቼስተር ዩናይትድ 100 ሺሕ ተመልከትቲ ዘተኣናግድ ስታዲየም ክትሃንፅ ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ 100 ሺሕ ተመልከትቲ ዘተኣናግድ ሓዱሽ ዓብዪ ስታዲየም ክትሃንፅ ምዃና ዕላዊ ገይራ፡፡
ብክልተ ቢሊየን ፓውንድ ወፃኢ ዝህነፅ እቲ ሓዱሽ ስታዲየም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡
እቲ ሓዱሽ ስታዲየም÷ ኣብ ጥቓ እታ ጋንታ ን115 ዓመታት እናተገልገለትሉ ዝነበረት ኦልድትራፎርድ ከምዝህነፅ ተገሊፁ፡፡
እታ ጋንታ ዕላዊ ብዝገበረቶ ዲዛይን መሰረት እቲ ስታዲየም ሕድሕዶም 200 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎም ሰለስተ ዓንዲታት ከምዝህልዉዎ ፀብፃብ ቢቢሲ ስፖርት የመላኽት፡፡