Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሕርሻ ክራማት 7 ነጥቢ 75 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ተሸፊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ ) ኣብ ሕርሻ ክራማት 7 ነጥቢ 75 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ዘበነ ምህርቲ 2012/13 ዓ.ም 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሄክታር መሬት ንምሕራስ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተተኣተወ ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእቲ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ኢሳይያስ ለማ ንግዜኢ ተዛሪቦም።

ኣብ ሕርሻ ፅድያን ክረምቲን 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምሕራስ ልዕሊ 375 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ንምርጃብ ከምዘተተለመ ኢዮም ዝሓበሩ።

ፅዕንቶ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብምፅዋር ስራሕቲ ሕርሻ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ፍርያትን ፍርያታውነትን ንምውሳኽ ምሩፅ ዘርኢን ዘበናዊ ዱኽዒ(መዳበሪያ)ን ክቐርብ ከምዝተገበረ እውን እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ብመንፅር ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ ድሌት ሓረስቶት ሙሉእ ብሙሉእ ምምላእ እንተዘይተኸኣለ እኳ ካብ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ዝሓሸ ቀረብ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕዚ ክልተ ዓይነት ዘበናዊ ዱኽዒ ጥራሕ ይቐርብ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ኢሳያስ፥ ምስ ሓመድ  ዓይነት ዝሳነ ሸውዓተ ዓይነት ንጥረ ነገር ዘለዎ መዳበሪያ ቀሪቡ ንሓረስቶት ከምዝተኸፋፈለ ኣብሪሆም።

ኣብ መንፅር ምሕላው ልሙዕነት ሓመድ ድማ 62 ሺሕ ሄክታር መሬት ካብ ኣሲዳዊነት ንምሕካም ተሓሲቡ 14 ሺሕ ሄክታር መሬት ብኖራ ተሓኪሙ ኢዩ ኢሎም።

በመኸር እርሻው ከፍተኛ መጠን ያለው ዝናብ እየዘነበ በመሆኑ አርሶ አደሩ መሬቱን በማጠንፈፍ በተገኘው አጋጣሚ በተለያዩ ሰብሎች እንዲሸፍንም ጥሪ አቅርበዋል።

እቶም ዳይሬክተር ኣብ ሕርሻ ክራማት ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ እናዘነበ ስለዝኾነ ሓረስቶት ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ ግራውቶም ብዝራኣቲ ንኽሽፍኑ ፀዊዖም።


እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.