Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ  ዶ/ር ኣቢይ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም  መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም  መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም!

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ እንኳዕ ደስ በለኩም ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ዝተኸበርኩም ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ክቡራትን ክቡራንን

ሎሚ መዓልቲ ሃገርና ብልዑል ሃንቀውታ ትፅቢት እትገብረሉ ብስራት ሓጎስ እትሰምዐሉ ዕለት ኢዩ። ናይ ዓመታት ድኻምና ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ዝበፅሐሉ፣ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተዛዘመሉ ታሪካዊ ዕለት ኢዩ። ብናይ ሓባር ፃዕርና ግድብና ኣብዚ ብርኪ ስለ ዘብፃሕናዮ መላእ ህዝብታት ሃገርና እንኳዕ ደስ በለና እንኳዕ ደስ በለኩም ንምባል እፎቱ።

ኣብዛ ዕለት ንሕና ኢትዮጵያውያን ዳግም ሃገር ተኮር ስራሕ ብምስራሕ ከመይ ምዕዋት ከምዝከኣል ፈሊጥና ኣለና። ሰሪሕኻ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ብምብፃሕ ዝርከብ ደስታ ዳግም ምጥዕዓም ጀሚርና ኣለና። ዝበለፀ ዘሐጉስ ድማ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ዘይተኣማመነልና እዋን ኣብ ናይ ባዕልና ዓቕሚ ተኣማሚንና ምዕዋት ምኽኣልና ኢዩ። ውሱናት ኣካላት ኣብ ግድብ ህዳሰ ምሒር ምትኳርና ሚስጥርነቱ ኣይርደኦምን።

ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ንምጉዳእ ዓሊምና ዝሃቀንናዮ ተንኮል ይመስሎም ይኸውን፤ እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። ግድብ ህዳሰና ናይዚ ትውልዲ መለለዪ ማህተም ሰሪሕኻ ናይ ምዕዋት ትእምርቲ ኢዩ። ናይ ዘበናት ኒሕና ምላሽ ምርካብ ምጅማሩ እነበስረሉ ፋና ኢዩ። ርእስና ንክንደፍእ ዝሕነዩ ንዝነበሩ ኩሎም ዝፀዓኑና ሸኽሚ ድኽነትን ድሕረትን ንሓንሳብን መወዳእታን ንምድርባይ ዓው ኢልና እንዛረበሉ ድምፅና ኢዩ።

ካብዚ ንደሓር ግድብና ብኽልተ እግርና ደው ምባል ከምእንኽእል፣ ናብ ምዕባለ ንምሕንባብ ዘኽእለና መቐይሮ ነጥቢ ምዃኑ ህዝቢ ዓለም ብትኽክል ይርዳእ ኢዩ ኢለ እኣምን። ኣቐዲምና ከምዝተዛረብናዮ ዝኾነ ይኹን ኣካል እንተየፀገምናን እንተይጎዳእናን ብዝተለምናዮ ልክዕ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዛዚምና ኣለና።

ወርሒ መስከረም ሓዊሱ እዚ ክራማት ገና ክልተ ወርሕን ፈረቓን ይተርፎ ኢዩ፤ መጠን ዝናብ እውን ይውስኽ ኣሎ። ንሕና እውን ፈጣሪ ሓጊዙና ካብ ዝተተለመሉ እዋን ቀዲሙ እቲ ግድብ ብምምላእ ምፍሳስ ጀሚሩ ኣሎ። ግድብና ንተሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዝጎድእ ዘይኮነስ ብመሰረት ዝተዛረብናዮ ረብሓ ዝህብ ከምዝኾነ ብተግባር ዝረጋገፀሉ እዋን ኢዩ። እንትንሃንፆ ይኹን ንቐፃሊ እንትነመሓድሮ ግብፅን ሱዳንን ናይ ምጥቃም እምበር ናይ ምጉዳእ ሓሳብ ኣባና ፈፂሙ የለን። ክልቲአን ሃገራት ዝረኽብኡ ማይ እንተይቀነሰ ቀዳማይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ምዝዛምና ነዚ ተግባራዊ መርኣያ ኢዩ።

ዝኸበርኩም ኢትዮጵያውያን እዚ ንሕና ዝረአናዮ ግድብ ንምርኣይ፣ ዝሰማዕናዮ ዜና ግድብ ንምስማዕ፣ ኣብ መዋጮ ንምስታፍ ብዙሓት ትውልዲታትን መራሕቲን ተመኒዮም ነይሮም፤ ይኹን እምበር ኣይከኣሉን። ንሕና ኣብዚ ዘበን በፂሕና ኣባይ ካብ ደርፍን መፈራርሒን ሓሊፉ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ከይጎድአ ተገዲቡ፣ እቲ ግድብ እውን ማይ ሒዙ ንምርኣይ በቒዕና ኣለና። ነዚ ዝረኣዩ ኣዕይንቲናን ነቲ ብስራት ዝሰምዑ ኣእዛንናን ክንደየናይ ዕድለኛታት ኢዮም?

ብስም ግድብ ህዳሰ ናይ ውልቀ ረብሐኦም ንምርግጋፅ ዝጓየዩ ውሑዳት እኳ እንተነበሩ እቲ ግድብ ብመሰረት መንግስቲን ህዝብን ዝደልዩ ተግባራዊ ንክኸውን ብዙሓት ደኺሞምን ለፊዖምን ኢዮም። ከይሰስዑ ጉልበቶም፣ ገንዘቦም፣ ግዘኦምን ፍልጠቶምን መስዋእቲ ገይሮም ኢዮም። ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ዘይትካእ ክቡር ህይወቶም ንግድብ ህዳሰ ዝገበሩ እውን ኣለዉ። ብመሰረት ዝተኸፈለ ዋጋ እነሆ ናይ ዘበናት ሕልምና ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ እንወቓቐሰሉ እዋን ዘይኮነስ እንመሰጋገነሉ ዕለት ኢዩ። እቲ ግድብ ዝተለሙ ኣመራርሓታት፣ ነቲ ፕሮጀክት እንተማሕድሩ ዝነበሩ መራሕቲ፣ ለይትን ቀትርን ኣብቲ ግድብ ተዋፊሮም ዝደኸሙ ሰራሕተኛታት፣ ኢትዮጵያ ብምውካል በቢመድረኹ ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝደራደሩ ዝነበሩ ናይ ቁርፂ እዋን ኢትዮጵያውያን እዚ ዕለት ንክንርእይ ገይሮም ኢዮም። ሽም  እቶም ካብ ዕለታዊ ዝበልዕዎ ቀኒሶም መዋጮ ዘዋፅኡ ዜጋታትናን ብፍልጠቶም እንትሕግዙና ዝነበሩ ሰብ ሞያታትን ንዘርዝር እንተንበል፥ መዓልታት ዝውድእ ኢዩ።

ብሓፈሻ ናይ ነበር ቀዳሞት ሚኒስትራትን ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ተሳትፎ ዝነበሮም ኣካላትን ብምልኦም፣ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ልዑል ተጋድሎ ዝገበሩ ኩሎም ካብ ልቢ እንተየመስገንኩ ኣይሓልፍን። ንሕና ከምሃገር ናይ ምውቃስን ምኹናንን እንበር ባህሊ ምስጋና ብመጠኑ ዝጎድለና ኢና።

ዝዓበየ ወሓዚ ሩባና ኣባይ ንገዛእርእሱ ናይ ዘበናት ወቐሳና ኣካል ኢዩ ነይሩ። ብርግፅ ንዓና ገዲፉ ንኻልኦት እናጠቐመ ብምፅንሑ እቲ ወቐሳ መበገሲ ምኽኒያት ነይሩዎ ኢዩ። ካብዚ ንደሓር ኣባይ እውን ንወላዲት ሃገሩ እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንምግባር ኣብ ጫፍ በፂሑ ስለዘሎ ኣፍ ኣውፂእና ክነመስግኖ ግድን ኢዩ።

ኢትዮጵያውያን ኣባይ ብዝምልከት ብመንፅር እናተመነይዩ ዝነበሩ ነዊሕ ዘበን እንትርአ፥ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንተነኣሰ ቅድሚ 200 ዓመታት ክግደብ ነይርዎ። መራሕትናን ህዝብናን ባህጊ ነይሩዎም፤ እቶም ኩነታት ግን ኣይኮኑሎምን። ንሕና ግን ንሳቶም ዝደልዩዎም ፈፂምናዮ፤ ዝተመነይዎ ርኢናዮ፤ ዝበሃግዎ ፈፂምናዮ። ዓወት የጫድር ኢዩ፤ ብዓወት እናጫደርካ ተንጠልጢልካ ምቕራይ ግን ክልተ ጉድኣት ኣለዎ።

እቲ ሓደ፥ ዝሓዝካዮ ዓወት የመንዝዕ፤ ብተወሳኺ በሪ ቐፃሊ ዓወት ይዓፁ። ነዚ ቀንዲ መፍቲሕኡ ድማ ዝረኸብካዮ ዓወት ንኢድካን ኣመስጊንካን ልክዕ ደረጃ ከምዝወፅእ ሰብ ነዚ ተሻጊርካ ምሕላፍ ኢዩ። ዝበፃሕናዮ ብርኪ እርከን ብምግዳፍ ናብ ቀፃሊ ብርኪ እርከን እንተዘይሓንኪብና ናብ ድሕሪት ምምላስና ዘይተርፍ ኢዩ። ናብ ብራኸ ምጉዓዝ ዝከኣል ናብ ዝብህግዎ ብርኪ ንምብፃሕ ብምጉዓዝ ኣብኡ እንትትበፅሕ ድማ ንዕኡ ገዲፍካ ናብ ዝቕፅል ብምስጋር ኢዩ።

ዝተኸበርኩም ህዝብታት ኢትዮጵያ

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብልዑል ከምዘምሃረና እኣምን። ምስጢር ሰዓራይነቱ ተስፋ ዘይምቑራፅ ከምዝኾነ፣ ሃገራዊ ዓወት ዝምዝገብ ብምትሕብባር ከምዝኾነ፣ ምዕባለ ብቅብብል ትውልዲታት ዝህነፅ ተኸታታሊ ስራሕ ምዃኑ፣ ዋጋ ከይከፈልካ ዝዕወት ዋላ ሓደ ተፈታዊ ነገር ዘየለ ምዃኑ ግድብና ኣርኢዩናን ኣምሂሩናን ኣሎ።  ኣብ ከይዲ ምምሕዳርን ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲን እውን እንተኾነ ሰዓራይነት ክምዝገብ ዝኽእል ብምትሕብባር፣ ብቅብብል ትውልዲታትን ተስፋ ከይቆረፅካ ብምቅላስ ከምዝኾነ ግልፂ ኢዩ።

ብዝተበታተነ ዓቕሚን ባዕሉ ንባዕሉ ብዝሰሓሓብ ጉታ ገመድን ምፍራስ እንበር ምህናፅ ከምዘይከኣል ህንፀት ግድብ ህዳሰና ህያው ምስክር ኢዩ። ንዝፈላልዩና ዕድል እንተዘይሂብና፣ ንዘጓኑፁና በሪ እንተዘይከፊትና፣ ንዘቃቱሉና ገፅ እንተኸሊእና ገና ብዙሓት ዓወታት ብዝግባእ ክንፍፅም ኢና። ሓሲብና፣ ተሊምና፣ ሰሪሕናን ዛዚምናን ምዕባለና ዕላዊ ክንገብር ኢና። ኣቦታትና ዝሰርሕዎ ታሪክ ኩሉ ጊዜ ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ናይ ባዕልትና ኣሰር ብምዕራፍ ብዝሰራሕናዮ ታሪክ ምኹራዕ ክንጅምር ኢና። ነዚ እውን ቁርፀኝነትና ብተግባር ምርኣይ ግድን ኢዩ።

ካብ መንጎ ምፍፃም ዝግብኡና ተግባራት ህንፀት ግድብ ህዳሰ ሓደ እኳ እንተኾነ፥ ኣብ ቅድሜና ብዙሓት ዕዮገዛታት ግን ኣለዉና ኢዮም። ካሊእ ይትረፍ ጉዳይ እቲ ግድብ ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዛዘመ ኣይኮነን። ገና ብዙሓት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ይተርፉና ኢዮም። ገና ሓይሊ ምፍልፋል ኣይጀመረን። ሐዚ ዝፈፀምናዮ ናይ መጀመርያ ዓመት ምምላእ ማይ ኢዩ። እዚ እውን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ናይ መጀመርያ ክልተ ተርባይናት ሓይሊ ንምፍራይ ዘኽእለና ኢዩ። ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓማውቲ ትኹረት ሂብና እንተሰሪሕና ኣብ 2015 ዓ.ም እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ሓይሊ ንምፍልፋል ኣብ ዘኽእሎ ብርኪ ክበፅሕ ኢዩ።

ክሳብ እቲ እዋን ዝተረፉ ህንፀታት ብቕልጡፍ ምፍፃም፣ ነቲ ግድብ ዝኸውን ገንዘብ ከየቋረፅካ ምእካብ፣ ዲፕሎሚያሲያዊ ቃልስና ብዝግባእ ምውፃእ ትፅቢት ይግበረና። እቲ ካሊእ ወሳኒ ተግባር፥ ብሕፅረት ዝናብ ይኹን ብምኽኒያት ደለል ግድብና ብሙሉእ ዓቕሙ ረብሓ ንከይህበና ዘኽእሉ ዕንቅፋታት ብሐዚኡ ንምልጋስ ምንቅስቓስ ኢዩ። ነዚ እውን ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ ንምውቃዕ ዘኽእለናን ቅድም ኢልና ዝጀመርናዮን “ሓምለዋይ ኣሰር” ብዓወት ምዝዛም የድሊ።

ወሓዝቲ ሩባታትና ክጠቕሙና እንተደሊና ኮበርታ ደኒ ክንከድኖም ኣለና። ሓመድና ተሸኪሞም ሃገርና ብምቁራፅ ንክጉዓዙ ክንፈቅድ የብልናን። ፈልሲ ናይ ምትካል ዝተመረፀ እዋን ቅድሚ 20 ዓመት ነይሩ። ካልኣይ ምሩፅ እዋን ድማ ሐዚ እዩ ይበሃል፤ ሓቂ ኢዩ። ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ሕርሻና በቢዓመቱ ስግኣት ድርቂ እናንፀላለዎ ፀኒሑ ኢዩ፡፡ ሕዚ ድማ ካብ ሕርሻ ሓሊፉ ናብ ፍልፍል ሓይሊ ኤለሌክትሪክ ኢሉ እውን ናብ ዓውዲ መፍረይነት ምስግጋሩ ኣይቐርን፡፡

ብመሰረት እዚ ህንፀት ግድብ ህዳሰና ሙሉእ ብሙሉእ ቅድሚ ምዝዛምና ብቢሊየናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ተኺልና፣ ተኸናኺናን ኣፅዲቕናን ዝድለ ብርኪ ክነብፅሖም ኣለና፡፡ ዘበን ፈልሲ ሓሊፉ ዘበን እፅዋት ክመፅእ ኣለዎ፤ ወርሒ ሓምለ እንተይተዛዘመ ሕድሕድ ቤተሰብ ሓምለዋይ ኣሰሩ ከንብር ይግባእ፡፡

ፍቱዋት ኢትዮጵያውያን!

እዚ ዓመት ቤተሰብ ህዳሰ እነጣይሸሉ ዓመት እንተዝኸውን ፅቡቕ ኢዩ፡፡ ናይዚ ዓመት ቤተሰብ ህዳሰ፤ ሰለስተ ነገራት ከዕውት ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ዝተረፉ ህንፀታት እቲ ግድብ ንምስላጥ ዘኽእል ገንዘብ ምትእኽኻብ፣ ሓምለዋይ ኣሰሩ ምንባርን ዘበን ህዳሰ ንምርኣይ ንባዕሉ ካብ ቫይረስ ኮሮና ምክልኻልን፡፡

ኩሉኹም ከምትፈልጡዎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ፣ ዝሓሙን ዝሞቱን ወገናት ቁፅሮም እናወሰኸ ኢዩ፡፡ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ኢዮም ነይሮም። ሕዚ ግን እቲ ቑፅሪ ኣብ መዓልቲ ናብ 700ን ካብኡ ንላዕሊን ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ፡፡

ኮሮና ልዑል ሓደጋ ከንፀላልወልና ኢዩ እንትበሃል ሓሶት ኣይኮነን፡፡ ኮሮና ኣሎ፡፡ ኮሮና ሰባት እናቐተለ ይርከብ፡፡ ካብ ሓቂ ምርሓቕ ነቲ ሓቂ ኣየትርፎን፡፡ ብኹሉ ዓውዲ ተጋፊጥና ንኮሮና ክንስዕር እንተዘይክኢልና እዋን ሸኽምና ብዝበለፀ እናሐየለልና ክመፅእ ኢዩ፡፡ ንሕና ንኮሮና ቀዲምና እንተዘይኣጥፊእናዮ ንሱ ዘጥፍኡና ፀገማት ክጫጨሐልና ኢዩ፡፡ ብግቡእ እንድሕር ሓሲብናሉ ካብ ኮሮናን እቲ ለበዳ ከስዕበልና ካብ ዝኽእል ፀገምን ንምውፃእ መፍትሒኡ ኣዝዩ ከቢድ ኣይኮነን፡፡

መምርሒታት ጥንቃቐ ብግቡእ እንተፈፂምና፣ ዝተፀገሙ ወገናትና ክሳዕ ዝሓገዝናን እቶትና ምስሳን ክሳብ ዝኸኣልናን ዝኸፍአ ፈተና ዘይከጋጥመና ይኽእል ኢዩ፡፡ ብተፃራሪ ሸለል ኢልና ንምልባዕ እቲ ለበዳ ምኽንያት ዝኾኑ ተግባራት እንተፈፂምና ውፅኢቱ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ብዓይንና ክንርኢ ኢና፡፡

ናይዚ ዓመት ክረምቲ ብብዙሓት ምኽንያታት ቅድሚ ሕዚ ከምዝሓለፉ ክረምቲታት ሓደ ዓይነት ኣይኮነን፡፡ ኮሪዕና ስሩዕ ስራሕትና ጥራሕ ንፍፅመሉ እዋን ኣይኮነን፡፡ ግዘ ዘይህብ ሕርሻና እኳ ፈሊና እንተንርኢ ወሰንቲ ተግባራት ስትራቴጂ ንምፍፃም ምንቅስቓስ ይግበአና፡፡ ዋላ ሓደ መሬት ፆሙ ከይሓድር፣ ዋላ ሓደ ሓረስታይ እታወት ስኢኑ ከይፅገም፣ ዋላ ሓደ በዓል ሞያ ሕርሻ ኮፍ ኢሉ ከይውዕል ምግባር ይግበአአና፡፡ እዋናዊ ለበዳ ቫይረስኮሮና ሕፅረት ምግቢ ከየስዕብ ኣቐዲምና ክንሰርሕ ኢዩ ዝግበአና፡፡

ኣሸንባይዶ ገፀር ከተማ እውን እንተኾነ ንዓውዲ ሕርሻ ትኹረት ክህብ ኣለዎ፡፡ ኣብ ቀፅሪ ገዛና ዝርከቡ መሬት እንተወሓደ ኣሕምልቲ ገደና ክንዘርአሉ ይግባእ፡፡ ብተመሳሳሊ ብዓውዲታት| ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝም፣ ብዃዕቲ መዓድንን ካልኦት ዓውዲታትን ጥንቃቐ ብዘይምጉዳል ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ፡፡ እዚ እንተገይርና ብዘይጥርጥር ንኮሮና ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ለበዳ ኣንቢሩዎ ክሓልፍ ዝኽእል በሰላ ካብ ዝኾነት ሃገር ብዘሐሸ ንሕና ክንሳገሮ ንኽእል ኢና፡፡

ምስ ኮሮና እንገብሮ ቃልሲ ብተግባር እምበር ብትምኒት ኣይንዋፀኦን፡፡ እቲ ፀገም ቀሊል ንክኾነልና ብምጭናቕ ዘይኮነስ ንሕና ዝሓሽና ብዛዕባ ንኾነሎም መገዲታት ብምሕሳብ ኢዩ ሕድሕድ ማሕለኻ ክንሳገር ንኽእል፡፡ ነዙይ ድማ ካብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ንላዕሊ ፅቡቕ መርኣያ ኣይርከብን፡፡

ብድጋሚ እንኳዕ ደስ በለና እብል፡፡ የቕንየለይ!

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራ ንዘለኣለም ትንበር!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.