Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 561 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 544 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 561 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እውን ተገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 409 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ካብ ክልል ትግራይ፣ 25 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 52 ካብ ክልል ጋምቤላ፣ 6 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 8 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 7 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 17 ሰብ ካብ ክልል ዓፋር፣ 11 ካብ ክልል ደቡብ፣ 8 ካብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፣ 8 ሰባት ካብ ክልልሲዳማ፣ 3 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡ እውን 3 ሰባት ካብ ክልል ዓፋር ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ክሳብ ሐዚ ብመሰረት ዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 11 ሺሕን 72 ከምዝበፅሐ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሸውዓተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 180 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ 158 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 5 ሺሕን 448 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.