Fana: At a Speed of Life!

መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንዓለም ግንዛበ ንምፍጣር ዘኽእል ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንዓለም ግንዛበ ንምፍጣር ዘኽእል ንሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ኢትዮጵያውያን ትማሊ ተጀሚሩ።

“ኣባይ ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ እቲ ወፍሪ፥ ክሳብ ዕለተ ዓርቢ ክቕፅል ኢዩ።

ብመሰረት እዚ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ብምግላፅ፥ ግብፂ ኣብ ልዕሊ ህዳሰ ግድብ እትውዝዖ ዝተሰሓሓተ መረዳእታታት ንምምካት ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍላይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ፥ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ምንም ዓይነት ኣፈላላይ እንተይኣርኣዩ ብዛዕባ ኣባይን ህዳሰ ግድብን መረዳእታታት ይውዝዑ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ብዛዕባ ዘለዋ መሰል ጠበቓ ብምዃን መረዳእታታት ይፅሕፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.