Fana: At a Speed of Life!

ፖለቲካዊ ኮነ ካሊእ ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላያት ኣብ ጉዳይ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳስ ቦታ ከምዘይብሎም ምሁራን ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፖለቲካዊ ይኹን ናይ ብሄርን ካልኦት ኣፈላላያት ኣተሓሳስባን ኣብ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ጉዳይ ጥቕምን ቦታ ከምዘይብሎም ምሁራን ዩኒቨርስቲ ራያ ገሊፆም።
 
መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ ኣብ እኹል ግንዛበ ጉዳይ እቲ ግድብን ሃገራዊ ምርድዳእ ዝፈጥሩ ዛዕባታትን ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ እቶም ምሁራን ተዛሪቦም።
 
ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ናይ ቋንቋን ስነ-ፅሑፍን መምህር ዝኾኑ ረዳት ፕሮፌሰር ካሕሳይ ቸኮል ከምዝተዛረቡዎ፤ ኣብ ጉዳይ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ቅድም ክብል ናይ ሓባር ቅዋም ሒዙ ዘካይዶ ዝነበረ ተሳትፎ ከጠናኽሮ ምግባር የድሊ።
 
ብዚ መዳይ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝንዝሑ ዘለዉ ካብ ሓቂ ዝረሓቑ መረዳእታታት ማሕበረሰብ ዓለም ንኽፈልጦ ብትኹረት ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
 
እዚ ንምግባር ድማ ዓረብኛ፣ እንግሊዘኛን ካልኦት ቋንቋታት ዓለምን ብምጥቃም ንህዝቢ ዓለም እቲ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ናይ ምስማዕ ልእኽቶኦም ክዋፅኡ ሓቲቶም።
 
ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ትኽተሎ ብዘላ ትኽክለኛ ቅዋም ሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣርን ምሕላው ብሄራዊ ጥቕምን ዝሕግዙ ፀብፃባት ናይ ምስራሕ ግዴታ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
 
ጎኒ ንጎኒ እዚ ብተፃራሪ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ጠጠው ዝበላ መራኸብቲ ማዕኸናት ዘመሓላልፈኦ ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ሓበሬታታት ምእራምን ሓቂ ምርዳእን ዝከኣል ዝተዋደደ ቀረብ መረዳእታን ዝርገሐን እንትህሉ ምዃኑ ተዛሪቦም።
 
መብዛሕቲኦም መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገርና ናይ ሓደ ወገን ወይ እውን ፖለቲካ ፓርቲ ወገናውነት ከም ዝርኣዮም ዝገለፁ እቶም ረዳት ፕሮፌሰር፤ ብኻሊእ መዳይ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ዘድሃቡ ስራሕቲ ትኹረት ብምሃብ ንሃገራዊ ልምዓት እጃሞም ከወፍዩ ሓቲቶም።
 
ዳይሬክትር ኮሙኒኬሽን እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ መምህር ፅጋቡ ሃይለኪሮስ ብወገኖም፤ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዋላ ይሃሉ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ይኹን፤ ንምዕባይ ተሳትፎ ህዝቢ፤ ኣብ ግድብ ህዳሰ መራኸብቲ ሓፋሽ ትኹረት ሂበን ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
 
ናይ ህዝብን ናይ ውልቀን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተፈላለየ ኤዲቶሪያል ፖሊሲ እንተሃለዎም እውን፤ ኣብ ግድብ ህዳሰን ብሄራዊ ምርድዳእን ግና ተመሳሳሊ ቅዋም ክህልዎም ይግባእ ኢሎም።
 
ብዝተዋደደ ፃዕሪ ብሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ፕሮጀክት ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝሓሸ ምዕራፍ ዋላ ዳኣ ይሃሉ እምበር ሙሉእ ብሙሉእ ተፈፂሙ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ዓብዪ ሚና ንኽፃወት፤ህዝቢ ናይ ምትሕብባርን ብሓባር ናይ ምስላፍን ሓላፍነቶም እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
 
ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ሓድነትን ምትሕብባርን እንተሃልዩ ኩሉ ነገር ምስኻዕ ይከኣል እዩ፤ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ፈለማ ሓድነትን ሰላም ሃገርን ብምጥንኻር ህልውና ግድብ ህዳሰ ኣብ ዘሐልዉ ስራሕቲ ኣድህቦ ምሃብ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
 
 
 
 
 
 
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.