ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ሓደጋ ከምዝተዘርገሐ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ሓደጋ ከምዝተዘርገሐ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፋሪያት ካሚል፥ ኣካል ቅድመ መጠንቀቕታን ስርዓት ህፁፅ ምላሽን ዝኾነ ፕሮጀክት ቅድመ መጠንቀቕታ ብዕሊ ናብ ስራሕ ከምዝኣቲ ገሊፀን።
እቲ ስርዓት ልዑል ሓደጋ ዘብፅሑ ኩነታት ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ቃፀሎ፣ ውሑጅን ካልኦት ፀገማት ድሕንነትን ኣብ ዘጋጠምሉ እዋን በቲ ሓደጋ ዝጉድኡ ወይ ክጉድኡ ዝኽእሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምፍላይ መልእኽቲ ቅድመ መጠንቀቕታ ዝመሓላለፈሉ ሜላ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
ሓደጋታት ናይ ምክልኻልን ምድሓንን ተግባራት ንምፍፃም ዝረብሕ መልእኽቲ ከምዝኾነ እውን እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።
ኣጠቓቕምኡ ቀሊልን ምቹውን ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ስልኪ ዘለዎ ዜጋ ተረባሒ ንክኸውን ዘኽእል ከምዝኾነ ድማ ሓቢረን።
ስለዝኾነ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ፈተነ ብምግባር ናብ ዕላዊ ስርሕ ከምዝእቶ ኣፍሊጠን።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana