ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ብትልሚ ዝተመስረተ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት መሰረ ልምዓት፣ ግዚያዊ መዕቖቢ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሳይንሳዊ ትንተናን ትምበያን ጉጅለታት ብምውዳብ ኣብ ትልሚ ዝተመስረተ ስራሕ ይስራሕ ምህላዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕራዊ ሚዲያ ገፆም÷ ቅድመ መጠንቀቕታ ምንቅጥቃጥ መሬት ድልውነትና ብዘለና ዓቕሚ ቴክኖሎጂ፣ ሳይንሳዊ ምርምር፣ ትንተናን ትምበያን ዝውሰን ኢዩ ኢሎም፡፡
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኢንስቲትዩት ጂኦፊዚክስ፣ ስፔስ ሳይንስን ኣስትሮኖሚን ዑደት ከምዝገበሩን ኣብ ራዕዲ መሬት ተንከፍ ዝኾኑ ሳይንሳዊ ምርምራት ዝበረታትዑ ስራሕቲ ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም፡፡
“ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘካየድናዮ ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ጉዳይ ራዕዲ መሬት ብዘቐመጥናዮ አንፈት መሰረት ብምግባር ናብ ዝተጠናኸረ ተግባር ተኣቲዩ ኣሎ” ክብሉ እውን ገሊፀፆም፡፡
ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባታት መሰረ ልምዓት፣ ግዚያዊ መዕቖቢ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሳይንሳዊ ትንተናን ትምበያን ጉጅለታት ብምውዳብ ኣብ ትልሚ ዝተመስረተ ስራሕ እናተወገነ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።