Fana: At a Speed of Life!

ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝፍነዉ ካብ ባህሊን ክብሪን ኢትዮጵያዊነት ዝወፅኡ ምስሊታት ንምክልኻል ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝፍነዉ ካብ ባህሊን ክብሪን ኢትዮጵያዊነት ዝወፅኡ ምስሊታት ንምክልኻል እናተሰርሐ ምዃኑ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን (ኢመደኣ) ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ባህሊን ክብሪን ዝወፅኡ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታትን ፎቶታትን ብቲክቶክ፣ ፌስቡክ፣ ቴሌግራም፣ ኢንስታግራምን ካልኦት ማሐበራዊ ሚዲያታትንምግዋሕ እናተስፋሕፈሐ ከምዝመፅአ ተገሊፁ።

እዞም ምስሊታት ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ሰገናትን ከምኡ እውን ኣብ መንእሰይ ወለዶ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደሩ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝፍነዉ ምስሊታት ዘስዕቡዎ ፅዕንቶ ንምክልኻልን ንምንካይን ብፖሊሲ ዝተደገፈ ተግባር ንምውጋን ዘኽእል መፅናዕቲ ከምዝተገበረ ኣማኻሪ ሕጊ ኢመደኣ ፍቕረስላሴ ጌታቸው ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

እቲ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ድማ ምድላው ፖሊሲ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ፖሊሲ ካብ ባህሊን ክብሪን ዝወፅኡ ምስሊታት ካብ ገፃት ማሕበራዊ ሚዲያ ንምእጋድን ተሓታትነት ንምዕሳልን ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ፅልኢት ዘረባ፣ ምግላልን ኣድልዎን ዘንፀባርቒ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ኣብ ልዕሊ ዘጋውሑ ማሕበራዊ ሚዲያታት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣመልኪቶም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.