ኣብ ማይናማር ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ንምድሓን መንግስቲ ፃዕሩ ከምዝቐፀለ ሚኒሰቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘይሕጋዊ ደለልቲ ተታሊሎም ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ዶብ ማይናማርን ታይላንድን ናብ ዝርከቡ ዘይሕጋዊ ካምፕታት ተወሲዶም ዝርከቡ ዜጋታት ንምምላስ መንግስቲ ፃዕሩ ከምዝቐፀለ ሚኒሰቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ መንግስቲ ብዝገበሮ ፃዕሪ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 34 ዜጋታት ካብ ዕግታ ናፃ ወፂኦም ናብ ታይላንድን ናብ ሃገሮምን ክምለሱ ተገይሩ ኢሎም።
ዜጋታት ናይ ምድሓን ስራሕ ብዙሕ ፃዕሪ ዝሓትት ብምዃኑ ቶኪዮ ካብ ዝርከብ ሚስዮን ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣብ ኒውዴልሂ ዝርከብ ኤምባሲ እውን ልኡኽቶ ተዋሂቡዎ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ተዛሪቦም።
ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ስራሕቲ ምፅራይን ምእካብ ሓበሬታን ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ዝረጋገፁ ሽምን ፓስፓርት 380 ዜጋታት እቲ ጉዳይ ብቐረባ ንዝከታተል ኣብ ቶኪዮ ዝርከብ ሚስዮን ኢትዮጵያ ከምዝተለኣኸ እቶም ኣቐባሊ ቃል ወሲኾም ሓቢሮም።
እቲ ፀገም ዓለም ለኸ ምስሊ ገበን ከምዘለዎ ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ 19 ሃገራት ዜጋታት ብዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ሰባት ተታሊሎም ማይናማር ብምእታው ንዝኸፍአ ፀገም ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡