ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ብዳይሬክተር ሓለዋ ሲቪልን ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ሕብረት ኣውሮፓ ጄኔራል ማሴይ ፖፑቭስኪን ምክትል ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ካርል ስካውን ምስ ዝተመርሐ ሓበራዊ ልኡኽ ተዛቲዮም።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ዘተኦም÷ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣገንዚቦም፡፡
ኢትዮጵያ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሃብ ከምኡ እውን ልዕሊ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ብምትእንጋድ ዓወት ከምዘመዝገበት ብምሕባር እዚ ድማ ዝተሓላለኹ ፀገማት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምፍታሕ ዘለዋ ቆራፅነት ዘመላኽት ከምዝኾነ ገሊፆምል፡፡
መሓዙት ኣካላት ለውጢ ዘምፅኡ ሰፋሕቲ ዛዕባታት ልምዓት እንትግፉን እንተሰጉሙን ኢትዮጵያ ናብ ልምዓትን ርእሳ ንምኽኣልን ትገብሮ ስግግር ዘበረታትዑ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝን ዘፈር ልምዓትን ዘለዎም ምሕዝነትን ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘለዎም ቆራፅነት ምርግጋፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡