ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 41 ማእኸላት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 41 ቀወምቲን ተንቀሳቐስቲን ማእኸላት ምዝገባ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (ፋይዳ) እናተሳለጠ ምዃኑ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ሙሉ ወልደስላሴ÷ እቲ ዲስትሪክት ኣብ ዝሓፉ 8 ኣዋርሕ ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ሓዊሱ ሕትመት ዲጂታል መለለዪ መንነት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡
ዲስትሪክት ሪጅን ሰሜን ኣብ 26 ቀወምቲን 15 ተንቀሳቐስቲን ማእኸላት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ዓማዊል ናይቲ ኩባኒያ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብተን ማእኸላት እንትመፅኡ ኢሉ እውን ኣብ ተንቀሳቐስቲ ማእኸላት ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ብምዃን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓሮም፡፡
እቲ ዲስትሪክት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 235 ሺሕ ዜጋታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ክረኽቡ ከምዝተገበረ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ እተን ማእኸላት ንምስፍሕፋሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ንግዜኢ ገሊፆም፡፡