Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ህንፀት ስርዓት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕን ምዝርራብን ባህሊ ዘምፀአ ኢዩ-ተስፋዬ በልጅጌ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከይዲ ህንፀት ስርዓት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕን ምዝርራብን ባህሊ ዘምፀአ ኢዩ ክብሉ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ተስፋዬ በልጅጌ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ባህሊ ፖለቲካ ንምህናፅ ዝተገበሩ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፈተነታት ለውጢ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር እቶም ፈተነታት ቀንዲ መበገሲኦም ስብራት ፖለቲካ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መበገሲ ለውጢ 2010 ዓ.ም እውን ስብራት ፖለቲካ ከምዝኾኑን ብፍላይ ተቐባልነት ዘለዎ ሃገረ መንግስቲ ዘይምህናፅ፣ ፀገም ህንፀት ናፃን ገለልተኛን ትካላት፣ ኣካቢ ዝኾነ መሪሕ ያታ ዘይምፍጣር፣ ድኹም ባህሊ ፖለቲካን ካልኦትን ረቚሖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ፀገም ብዘተ ካብ ምፍታሕ፥ ብጎንፅን ኲናትን ክሳብ ሐዚ ንዝፀንሑ ፀገማት ምኽኒያት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ናይ ለውጢ መንግስቲ እዞም ሱር ሰዲዶም ዝፀንሑ ስብራታት ፖለቲካ ንምፅጋን ዝተፈላለዩ መፍቲሒታት ብምሃብ ዝረኣዩን ዝድህሰሱን ውፅኢታት የመዝግብ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ከይዲ ህንፀት ስርዓት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕን ምዝርራብን ባህሊ ዘምፀአ ከምዝኾነ  ተስፋዬ በልጅጌ(ዶ/ር) ኣረጋጊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ዝነበሩ ዝኾኑ ይኹኑ ሓሳባት ናብ ጠረጴዛ ንክመፅኡ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ምጥያሹ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ እውን ልቦና ብምስፋሕ ናብ ዘተ ንክመፅኡ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.