Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ትካላት ንግዲን ቤት ዕዮታት ውልቀን መንግስቲን ናብ ንቡር ኩነታተን ተመሊሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዓበይቲን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ይኹና ቤት ዕዮታት ውልቀን መንግስቲን ሎሚ መዓልቲ ናብ ንቡር ኩነታተን ተመሊሰን።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝገበሮ ዳህሳስ ትካላት ይኹኑ ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ብሰላማዊ መገዲ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝኾኑ ተዓዚቡ ኢዩ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ ሎሚ ቅነ ኣብታ ከተማ ተተሓሒዙ ዝነበረ ምንቅስቓስ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሱ ከምዝምለስ ምግላፆም ይዝከር።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ዝተፈላለያ ቤትዕዮታት ስሩዕ ስረሐን እናሳለጣ ዝወዓላ እንትኾና፥ ትካላት ንግዲ እውን ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሰን ተመሊሰን ኣለዋ።

ንጣቢያና ርኢቶኦም ዝሃቡ ዝተፈላለዩ ካፋላት ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ዝተመለሰ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ብታሪክ ኣዱኛ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.