ንጥቕዓት ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝተቓልዑ 25 ኣትሌታት ደገፍ ኤኣይ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌቲክስ ዓለም ንጥቕዓት ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝተቓልዑ 25 ኣትሌታት ዝተፈላለያ ሃገራት ደገፍ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ(ኤኣይ) ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ዝገበሮ ናይ ኣርባዕተ ዓማውቲ መፅናዕቲ እቶም ኣትሌታት ንዝኸፍአ መጥቃዕቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ተቓላዓይነቶም ንምቕናስ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ደገፍ ኤኣይ ከምዘተገበረሎም ተሓቢሩ።
ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብመሰረት ዝተገበሩ ውድድራት ኦሎምፒክስን ሻምፒዮና ዓለምን ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ 2 ሺሕን 4ኣትሌታት ብማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተለጠፉ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ረእይቶታት ሓዊሱ እቲ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ።
ኣብቲ ወፅኢት፥ ስነ ልቦናን ስብእናን ኣትሌታት ዝጎድኡ ርእይቶታት ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ምንባሮም ኣረጋጊፁ።
ስለዝኾነ ንጥቕዓት ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝተቓልዑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ 25 ኣትሌታት ደገፍ ኤኣይ ተገይሩ ኢሉ።