ኣብ ትግራይ ን138 ስብ ሃፍቲ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕጫ መሬት ኢንቨስትመንት ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ራብዓይ ዙር ከተማ መቐለ ንዝወፅአ መሬት ኢንቨስትመንት ውድድር ፕሮጀክቶም ቅቡል ዝተገበሩ 138 ሰብ ሃፍቲ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕጫን ምትሕልላፍ መሬትን ሎሚ ኣካይዱ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ክልል ትግራይ ኣይተ ዳንኤል መኮነን፥ ኣብ 2016 ዓ/ም ራብዓይ ዙር ንዝወፅአ ኢንቨስትመንት ተወዳዲሮም ፕሮጀክቶም ተቐባልነት ዝርኸቡ ኢንቨስተራት ዝወሃብን ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕጫ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ኢንቨስትመንት ክዋፈሩ ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ መሬት ከተማታት ውቕሮ፣ ዓድዋ ፣ ዓዲ ጉደም ፣ ዓብይ ዓዲን መቐለን መሬት ኣዳልዩ ከምዘወዳደረ እውን ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕጫ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬተርያት ስላምን ፀጥታን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረዳ ብግደኦም፥ ሕዚ ዘሎ ፓለቲካዊ ጭቕጭቕ ሓላፊ እዩ እቲ ዘይሓልፍ ንሓዋሩ ዝኸውን ኣብ ልምዓት ምውፋር እዩ ኢሎም።
መሬት ኣብ ትኽክለኛ ኢንቨስተራት ዘይኮኑን ደላሎን ምውዳቑ ብምሕባር፥ ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘሎ ምሕደራ ኢንቨስትመንት ናይ ምስሓብን ምችው ኩነታት ናይ ምፍጣርን ፀገም ከምዘሎ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኣብ ቀረብ መሬት ዘሎ ፀገም ከም መንግስቲ ክንፈትሕ ኢና ኢሎም።
ተረባሕነት መናእሰይ ምርግጋፅ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ብምዃኑ እቶም ኢንቨስትመንታት ኣብ እዋኖም ተጀሚሮም ብእዋኑ ክዛዘሙን ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ንክኾኑን ክከምዝስራሕ ገሊፆም።