ኢጋድ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምትሕበባር ከምዝሰርሕ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንንምርግጋፅ ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣፍሊጡ፡፡
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ምስ ኣቦታት ሃይማኖት፣ መምህራንን ሰብ ሞያ ሚዲያን ኣባል ሃገራት ኢጋድ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ሰላምን ድሕንነትን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምሕላው ከምኡ እውን ዝረአዩ ጫፍ ዝረገፁ ሓሳባት ምክልኻል ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘቲዮም፡፡
ንሓበራዊ ልምዓት እቲ ዞባ ምስ መሓዙት ኣካላት ትካላትን ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝተዛተዩ እውን ካብ ኢጋድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ምስ ኣቦታት ሃይማኖትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምምውዳድ ክስራሕ ኢዩ፡፡