ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣተገባብራ መሊስካ ምጥያሽ ነበር ዕጡቓት ዘተ ማሕበረሰብ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣተገባብራ መሊስካ ምጥያሽን ናብ ማሕበረሰብ ምፅምባርን ነበር ዕጡቓት ግደ ማሕበረሰብ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ዝጠመተ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ትግራይ ኮሌኔል ኪሮስ ወልደስላሴ÷ ነበር ተዋጋእቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ጉድኣት ኣካልን ዝተፈለ ትኹረት ተዋሂቡዎም እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ፕሮግራም ተሳቲፈን ናማሕበረሰብ ዝፅምበሩ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ዝወሃቦም ክፍሊት እግሪ መትከሊ ብግቡእ ኣብ ስራሕ ከውዕሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡
በቢከባቢኡ ማሕበረሰብ ንተመለስቲ ነበር ዕጡቓት ኩለመዳይ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ኣብ ዘሰናደኦ መድረክ÷ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደ ስራሕቲ እንታይ ክኾኑ ከምዘለዎም ምኽክር ከምዝተገበረ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡