ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ህዝባዊ ሰልፊታት ይካየዱ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ክልል ኣምሓራ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዝሓትቱ ህዝባዊ ሰልፊታት ይካየዱ ኣለዉ።
እቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ኣብቲ ክልል እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝድግፉ መልእኽቲታት ኣመሓላሊፎም፡፡
ካብ ሞንጎ ዝተመሓላለፉ መልእኽቲታት÷ “ንክልልና ዘድሊ ኲናት ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን ኢዩ፣ መንግስቲ ሕጊ ብምኽባር ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ክሕሉ ይግባእ፣ ሰራዊት ምክልኻልና፣ ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን ክልልናን ንዝኸፈሉዎ ዋጋ ክብሪ ንህብ” ዝብሉን ካልኦትን ይርከቡዎም፡፡
ኣቦታት ሃይማኖት ሓዊሱ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ተምሃሮን ኣብ ዘካተተ ሰልፊ፤ ከተማ ደሴ ኣምባሳደር ሰላም ከምዝኾነት ዘጋውሑ ጭርሖታት ተሰሚዖም።
ብስንታየሁ ኣራጌ፣ ኣለባቸው ኣባተን ከድር መሓመድን