Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘሎ ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅርን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅርን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።

ክኢላ ምእላይ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ እቲ ቢሮ ኣይተ ዕቑባይ ገብረ እግዚኣብሄር ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ኩነታት ሕማም ዓሶ ከም ክልል ዘለዎ ህልዊ ኩነታት ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ሕማም ዓሶ ከም ክልል ብተደጋጋሚ ኣብ ከባቢታት ቆላ ይረአ ምንባሩ ብምዝኽካር፥ ሐዚ ግን ካብዚ ወፃእ ኣብ ዘለዋ ከባቢታት ደጉዓ ንኣብነት መቐለን እንደርታን ሓዊሱ ብስፍሓት ምርኣዩ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት እንትነፃፀር፥ ሐዚ ብዕፅፊ ዝወሰኸሉ ኩነታት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣይተ ዕቑባይ ኣብ መብርሂኦም፥  ቅድሚ ኣርባዕተ ዓማውቲ ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ እቲ ሕማም ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ናብ ብርኪ ምውጋድ ተበፂሑ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ግንዛበ ሕብረተሰብ ምዝሕሓሉ፣ ስራሕቲ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ዓሶ ምቕናሱ፣ ካብ ምዕራባዊ ዞባ ዝመፅኡ ተመዛበልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ምስፋሮም፣ ሕብረተሰብ ካብን ናብን ዝገብሮ ምንቅስቓስ፣ ምቁርራፅ መድሓኒት ዝብሉ ከም መበገሲ ምኽኒያታት ምውሳኽ እቲ ለበዳ ብምዃን ዝርቁሑ ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዓሶ ዘይተጠቕዐ ከባቢ የለን ዝበሉ እቶም ክኢላ፥ ብብርኪ ክልል መቐለ ሓዊሱ ኣብ ኩለን ዞባታት ለበዳ ዓሶ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብሰንኪ እዚ ድማ፥ ንኣብነት ካብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 362 ሺሕ ሰብ በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙን ካብዚኦም እቶም 20 ወገናት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ገሊፆም።

ቁፅሪ ሞት ብዝምልከት ኣብ ትካል ጥዕና መፂኦም ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ዝገልፅ ኢዩ ብምባል፥ ናብተን ትካላት ከይመፅኡ ዝሞቱ ከምዘለዉ ዘመላኽቱ ግምታት ከምዘለዉ እውን ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ነቲ ሓደጋ ንምቕናስ ዓሊሙ ዝኸፍአ ለበዳ ሕማም ዓሶ ዝርከበለን 16 ወረዳታት ብብርኪ ፌዴራል ክሕቆፋ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብተን ወረዳታት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ስራሕ ከምዝሰርሐ አውን ገሊፆም።

ይኹን እንበር እቲ ለበዳ ኣብተን ካልኦት ወረዳታት እውን እናሰፍሐ ብምዃዱ ኣብቲ ክልል ኣብ ጥዕና ጠመተ ብምግባር ምስ ዝንቀሳቐሱ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓዊሱ ካብ ኩሉ ዝተውፃእፀአ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ለበዳ ሕማም ዓሶ ዝሰርሕ 88  ኣባላት ዝሓቖፈ 22 ጉጅለ ሕክምና ከምዝተጣየሸ ኣብሪሆም።

ቢሮ ጥዕና ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ፣ ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ  ብምዃን ብመሰረት ዝገብሮ ዘሎ ጥቡቕ ክትትልን ምክልኻልን ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝለዓለ ቁፅሪ በፂሑ ዝነበረ እቲ ለበዳ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ካብ ወርሒ ሕዳር 2017 ጀሚሩ ምቅናስ ኣርእዩ ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዘ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና መድረኽ ዘተን ምልውዋጥ ሓበሬታን ከምዝካየድ፣ ብብርኪ ክልል ግንዛበ መዕበዪ መድረኻት ከምዝካየድን ሚዲያታት ብምጥቃም ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ንክበፅሕ ናይ ምግባርን ስራሕቲ ከምዝስርሑ እውን ገሊፆም።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴራል ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ፅቡቕ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ 25 ወረዳታት ነፀጋ ኬሚካል መከላኸሊ ሕማም ዓሶ ንምክያድ ዝተትሓዘ ትልሚ ክሳብ ሐዚ ኣብ 6 ወረዳታት ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅርን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ እቶም ክኢላ፥ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ንኹሉ ዝሓቖፈ ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን እወንታዊ ውፅኢት ይረአየሉ ብምህላዉ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ተላቢዮም።

ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ንምርባሕ ጣንጡ መበገሲ ዝኾኑ ረግረግ ከባቢታት ኣብ ምድፋን፣ ዕቋር ማይ ኣብ ምፅንፋፍን ምዝራግ፣ ዘለካ ዛንዜራ ምጥቃም፣ ምልክት ሕማም ዓሶ እንተርኢ ቀልጢፍካ ናብ ሕክምና ምምፃእ ዝብሉ ተግባራት ብምፍፃም ነቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ግድኡ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.