Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዳ ሲልቫ ዳግም ክምረፁ ከምዝደልዩ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮውያን 2026 ኣብ ዝግበር ፕሬዚዳንታዊ መረፃ እታ ሃገር ንምውድዳር ድሌት ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡፡

ወዲ 79 ዓመት ዳ ሲልቫ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መሕፀቢ ገዝኦም ብምውዳቖም ናብ ርእሶም ደም ምፍሳስ ኣጋጢሙዎም ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ሕክምና መጥባሕቲ ተገይሩሎም ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡን ጥዕነኦም ከምዝተመሓየሸን ሓኻይሞም ዘረጋገፁ እንትኾኑ፥ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ዝኾነ ይኹን ጉዳት ከምዘይህሉን ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ካብ ሆስፒታል ከምዝወፅኡን ተሓቢሩ፡፡

ዳ ሲልቫ ብራዚልን ለመምራት ኣብ ፅቡቕ ብቕዓትን ድልዉነትን ከምዝርከቡ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ በዚ ድማ ኣብ 2026 ንዝግበር ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ከምዝወዳደሩ ዥኑዋ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.