ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ሕፁያት ብሉፃት ተፃወትቲ ኣፍሪካ 2024 ዕላዊ ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ መወዳእታ ዝርዝር ሓሙሽተ ሕፁያት ብሉፃት ተፃወትቲ ኣፍሪካ 2024 ዕላዊ ተገይሩ፡፡
ተፃዋታይ ጋንታ ብራይተን ሆቭ ኣልቢዮን ኮትዲቯራዊ ሲሞን ኣዲንግራ ካብ ሞንጎ እቶም ሕፁያት ሓደ ኢዩ፡፡
እቲ ተፃዋቲ ሃገሩ ኮትዲቯር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ኣሰናዲኣ ኣብ ዝተዓወተቶ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዘደንቕ ብቕዓቱ ከምዘርአየ ተላዒሉ፡፡
ካሊእ ሕፁይ ድማ ወዲ 28 ዓመት ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒን ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ሴርሁ ጉራሲ እንትኸውን÷ ኣብ ዘበን ውድድር 2023/24 ቡንደስሊጋ ጀርመን 28 ሸቶታት ንነበር ጋንትኡ ስቱትጋርት ኣመዝጊቡ፡፡
ሞሮኳዊ ኣሽራፍ ሃኪሚ ካሊእ ሕፁይ እንትኸውን÷ ኣብ ዘበነ ውድድር 2023/24 ምስ ጋንትኡ ፒኤስጂ ሊግ 1 ፈረንሳይ ፅዋዕ ሓዊሱ ካልኦት ክብሪታት ከዕውት ክኢሉ፡፡
ሃገሩ ሞሮኮ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ሜዳልያ ነሓስ እንትትዕወት ልዑል ብፅሒት ብምውፃእ ዕዉት ናይ ውድድር ዓመት ከምዘሕለፈት ይዝከር፡፡
ንሃገራዊት ጋንታ ናይጄሪያን ንጣልያናዊት ጋንታ ኣትላንታን ዝፃወት ኣዴሞላ ሉክማን ካብ ሞንጎ እቶም ሕፁያት ይርከቦም።
ሉክማን ጋንትኡ ኣታላንታ ኣብ ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ዩሮፓ ሊግ 2023/34 ንባየር ሊቨርኩሰን 3 ን 0 ብምስዓር ድሕሪ 61 ዓመታት ፅዋዕ ንኽትዓትር ሰለስቲአን ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝለዓለ እጃም ከምዝነበሮ ይዝከር፡፡
ብኻሊእ መዳይ ኣብ ሊግ ሃገሩ ንጋንታ ማሜሎዲ ሰንዳውንስ ዝፃወት ደቡብ ኣፍሪካዊ ሓላዊ ልዳት ሮንዌን ዊሊያምስ ካብ ሞንጎ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ሓደ ከምዝኾነ ካብ ካፍ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ወዲ 32 ዓመት ኣምበል ባፋና ባፋና ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2023 ዘገርም ብቕዓት ዘርአየ እንትኸውን÷ ሃገሩ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2025 ንኽትሓልፍ ኣብ መፃረዪ ፀወታ መሪሕ ግደ ተፃዊቱ፡፡