Fana: At a Speed of Life!

1ይ ዙር ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ 9 ክሳብ 11 ታሕሳስ 2017 ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)1ይ ዙር ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምኡ እውን ምዝገባ ኦን ላይን ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ኣብዚ ወርሒ ከም ዝካየድ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ካብ 9 ክሳብ 11 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም 1ይ ዙር ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ክወሃብ ኢዩ፡፡

ካብ 7 ታሕሳስ ጀሚሩ ድማ ምዝገባ ኦን ላይን ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ከምዝሳለጥ ኣፍሊጡ።

ተወካሊ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣረጋዊ ዘፈሩ (ዶ/ር)÷ ኣብ 1ይ ዙር ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ኣብ 52 ወረዳታት ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 13 ሺሕን 156 ደቂ ኣነስትዮ ዝርከብኦም 2፷ ሲኽን 168 ተምሃሮ ንፈተና ከም ዝቕመጡ ገሊፆም።

ካብ 7 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ምዝገባ ኦን ላይን ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ድማ ኣብ 79 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 247 ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳለጥ ኢዩ፡፡

37 ሺሕን 511 ተምሃሮ ክምዝገቡ ትፅቢት ከምዝግበር እውን ኣረጋዊ ዘፈሩ (ዶ/ር) ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.