ስዑዲ ዓረብ ንፅዋዕ ዋንጫ ዓለም 2034 ዓ.ም.ፈ 5 ትሪሊየን ዶላር ሰሊዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2034 ዓ.ም.ፈ ንእተሰናድኦ ፅዋዕ ዋንጫ ዓለም 5 ትሪሊየን ዶላር ባጀት ከምዝሰለዐት ገሊፃ።
ነቲ ውድድር 10 ዓመታት ናይ ምድላው እዋን ዘለዋ እታ ሃገር ካብ ብሐዚኣ ብዙሓት ተግባራት ትዓይይ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ካብ መንጎ እቶም ተግባራት ነቲ ሓፈሻዊ ምድላው ዝመርሕ ልዑል ኮሚሽን ምጥያሽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ኮሚሽን ብመዃን ንክመርሑ ዝተሸሙ ነበር ኣቦ መንበር ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኒው ካስል ዩናይትድ ያሲር ኣል-ሩማያን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
ካብ መንጎ እቲ ዝተትሓዘ ባጀት እቲ ዝበዝሕ ንህንፀት ስታዲየም ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።
ነቶም ውድድራት ንምትእንጋድ 15 ስታዲየማት ዘድሊዩዋ እንትኾኑ፥ እቶም ሸሞንተ ሓደሽቲ ዝህነፁ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
ፅዋዕ ዋንጫ ዓለም 2030፥ ስፔን፣ ኣፍሪካዊት ሃገር ሞሮኮን ፖርቹጋልን ብሓባር ከምዘዳልውኡ ይፍለጥ።