ድርድር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብዓወት ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፕሬዚዳንት ቱርክ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ኣደራዳሪነት ኣብ ኣንካራ ዝተኻየደ ድርድር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብዓወት ተዛዚሙ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብቛንቋ፣ ባህሊን ደምን ዝተዛመዱ ምዃኖም ገሊፆም።
ሃገሮም ንሓበራዊ ሰላምን ልምዓትን ምስ ሶማሊያ ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ብሰለማዊ መገዲ ንምርካብ እትገብሮ ፃዕሪ ኣብኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዝምድናታት እዚ ቀጣና ርኡይ ግደ ከምዝፃወት ሓቢሮም።
ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሃሰን ሼክ ሞሃሙድ ብግደኦም፥ ንኩለመዳይ ተረባሕነት ክልቲአን ሃገራት ሰላም ቁልፊ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።
ምስ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ብምትሕብባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ከመዝኾኑ ተዛሪቦም።
መንግስቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንምሕላው ሰላም ሶማሊያ ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ከምዘይርስዖን ኣብ ቀፃሊ እውን ሰላም ንምፅናዕ ንዝግበር ፃዕሪ ቁርፀኛ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን፥ ክልቲአን ሃገራት ዝፈረምኡ ሰነድ ስምምዕነት መትሕብባር፣ ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ምዕባለን ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብወንደሰን ኣረጋኸኝ